Home ዜና ዘላቒ መፍትሒ ኩሎም ፀገማትና ዝኸውን ናብ መረበትና ምምላስ እዩ ኢሎም ተመዛበልቲ ወገናት።

ዘላቒ መፍትሒ ኩሎም ፀገማትና ዝኸውን ናብ መረበትና ምምላስ እዩ ኢሎም ተመዛበልቲ ወገናት።

475

ብሰንኪ ምድንጓይ ሙሉእ ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ፤ፀገማትና ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ፣ተስፋና ድማ እናተመናመነ ይርከብ ኢሎም ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ። ወ/ሮ ኣመተፅዮን በላይ ይበሃላ፡፡ 70 ካሬ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ መዕቖቢ ተመዛበልቲ መቐለ ኣዕቒበን ዝርከባ ወላዲት ኢየን። ናብቲ ብኬንዳ ዝተሰረሐ መዕቖቢኤን ኣትየ ሐዚ ዝርከባሉ ኩነታት ንከውግዓኒ ሓቲተየን መልሰን “ተደጋጋሚ ዘረባ እሞ እንታይ ይዓብስ” ብምባል ሕቶይ ንምምላስ ፍቓደኛ ኣይነበራን። እንተ ብሰንኪ ጥሜት፣ ጭንቀትን ጓህን ትኪ ዝመሰለ ገፀን ግና ሕቶ ከየድለዮ ባዕሉ ዝዛረብ እዩ። ሒደት ደቓይቕ ፀኒሐን ሕቶይ ንምምላስ ፍቃደኛ ዝኾና እተን ኣደ ፀገም ደጋጊምካ ምዝራብ ዋጋ የብሉን ብምባል ፀገመን ንክፍታሕ ተግባራዊ ስራሕ ኣገዳሲ እዩ በሃሊት እየን።ኣብ እታ ዝነብራላ ዘለዋ ግዝያዊት መዕቖቢተን ብጭቃን እምንን ዝተሰርሐት መደቀሲት ዝተጋደሙ በዓል ገዛ ወይዘሮ ኣመተፅዮን ኣይተ ኣብረሃ መሰለ ድማ ብሰንኪ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ዘብፅሑሎም ማእሰርትን ግፍዕን ጥሜትን ዘይችው መፅለለን ተደሪብዎ ፀገም ጥዕና ገጢምዎም ኣሎ።

እዋን ክራማት ስዒቡ ብዝዘንብ ዘሎ ዝናብ ብጭቃ ተረግሪግና ሕማም ኣብ ልዕሊ ሕማም ይደራረበና ኣሎ ድማ ይብሉ። ስምምዕ ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ታሽዓይ ወርሑ ሒዙ ዋላ እንተሃለወ ዛጊድ ግና ዋላ ሓንቲ ፍታሕ ብዘይምርካቦም ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ተስፈኦም ተመናሚኑ ምህላዉ እቶም ተመዛበልቲ ተዛሪቦም። እቶም ተመዛበልቲ ንኣስታት 3 ዓመት እናቐፀለ ካብ ዘሎ መከራ እቲ ተመዛባላይ ህዝቢ ብዘላቕነት ካብ ፀገሙ ክናገፍ ዝኽእል ድማ ናብ መረበቱ እንትምለስ ጥራሕ ምዃኑ ይገልፁ::

ብኣበባ ፅጋቡ