Home ዜና ዘተ ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን

ዘተ ምምሕዳር ወረዳ ሓውዜን

227

ንስራሕቲ ፅገና መንገዲ 40 ነጥቢ 1 ሚልየን ብር ካብ ተወለድትን ፈተውትን ሓውዜን ንምእካብ ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። እቲ ምምሕዳር ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ የካይድ ኣሎ

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዋና ትኹረትና ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነወት ትግራይ ደጊምካ ንምህናፅ ብዕቱብነት እንሰርሓሉ እዋን እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ትግራዋይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ድማ ነዚ ንምግባር ብዝተወደ መልክዕ ተሓጋጊዙ ዓዱ ከልምዕ ይግባእ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ፀገም መሰረተ ልምዓት ንምፍታሕን ዝተበላሸው መንገዲ ንምፅጋንን መንግስቲ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ብምሕዋስ ናብ ስራሕ ክኣቱ ክሕግዝ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገብረጅወርግስ ገብረኺዳን ህዝቢ ወረዳ ሓውዜን ብሰንኪ ፀገም ፅርግያ ሞት ኣዴታት የጋጥሞ ብምህላውን ኣብቲ ሕዚ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ኮነ ኩለ መዳይ ማሕበረ ቁጠባን እታ ወረዳ ንምጉልባት ዝተበላሸው መንገድታት ንምፅጋን ካብ ፈተውትን ተወለድትን ልዕሊ 40 ሚልዮን ብር ንምእካብ ተሊሙ ምስ መዳርግቲ ይዝቲ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ጎይትኦም ተኸስተ