Home ዜና ዘተ ምስ ኣመራርሓ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ዘተ ምስ ኣመራርሓ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

796

ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝገጥም ዘሎ ፀገማት ምቑራፅ ትኬት፣ምጉዕዓዝ ንብረትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ክፍታሕ ምዃኑ ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዬጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣፍሊጦም። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዑደት እናካየደ ዝርከብ ጉጅለ ልኡኽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ህልዉ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣድሂቡ ምስ ኣመራርሓ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይዝቲ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዓለም ለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ዘጋጥም ዘሎ ምጉልእላእ ተሳፈርቲ ንምትዕርራይ ኣብ ዙርያ ምስፍሕፋሕ ግልጋሎት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሓዊሱ ከምኡ እውን ከም ትግራይ ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዬሃንስ ፬ ኣኽሱም ብቅልጡፍ ፅገና ተገይርሉ ናብ ግልጋሎት ንኽምለስ መሰረት ብምግባር ምስ ኣመራርሓ መንገዲ ኣየር ኢትዬጵያ ይዝቲ ኣሎ ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዬጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ሓዊሱ ኣመራርሓ እቲ መንገዲ ኣየር ይሳተፋ ኣለው።

ነቲ ልኡኽ መሪሖም ኣብቲ ዘተ ሓሳብ ዘቕርቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ድሕሪ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቀልጢፋ በረራ ምጅማሩ ዝነኣድ ዋላ እኳ እንተኾነ ብስንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዕርፎ ነፈርቲ ከቢድ ዕንወት በፂሕወን ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ዘሎ ኣወሃህባ ግልጋሎት ኣብ ተጓዓዝቲ ፀገማት ይፍጠር ከም ዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ኤልያስ ኣብቲ መንገዲ ኣየር ዘሎ ምቁራፅ ትኬት ጠጠው ኢሉ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሐዚ እቲ ግልጋሎት ኣብ ከተማ ክኸውንን ሐዚ ዘሎ ምጉልእላእ ጠጠው ክብል፣ ሻንጣ ተጓዓዝቲ ኣብ ምውሳድን ምምፃእን ዘሎ ምጉታት ክመዓራረ ምስ ዘሎ ጠለብ ህዝቢ ንመቐለ ዝግበር በረራ ክውስኽን ይግባእ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ማእኸል ጥንታዊ ስልጣነ ዓለምን ኣፍሪካን ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣኽሱም ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዬሃንስ ፬ በቲ ኵናት ከቢድ ዕንወት በፂሕዎ ከም ዘሎ ብምግላፅ ቀልጢፋ ተፀጊኑ ኣብ ሓፂር እዋን ብሙሉእነት ሰራሕቲ ግልጋሎት በረራ ክጅምር ክግበር እውን ኣለዎ ኢሎም ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ፡፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምላሽ ዝሃቡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዬጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰውን ካልኦት ኣመራርሓን እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ትግራይ ብፋላይ ናብ ከተማ መቐለ ዝግበር መዓለታዊ በረራ ክንውስኽ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እቲ ተጓዓዝቲ መረረቶም ዘስምዕሉ ዘለዉ ኣብ ትኬት ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ሓፂር ግዜ ክንፈትሖ ኢና፣ ኣብ ከተማ ትኬት ምቁራፅ ክጅመር ኢዩ፣ጉዳይ ምድንጓይ ምጉዕዓዝ ናዉቲ ንምፍታሕ እዉን ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ቀሊል ፅዕነት ዘመላልሳ ክልተ ነፈርቲ ኣብ ሰሙን ድማ ክልተ ግዘ ከቢድ ፅዕነት ዘመላልሳ ክልተ ዓበይቲ ነፈርቲ ተመዲበን ከም ዘለዋ ኣብሪሆም።

ነቲ ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናት ዝዓነወ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዬሃንስ ፬ይ ናብ ንቡር ስርሑ ንክምለስ ድማ ካብ ሓምለ 2015 ዓ/ም በጀት ተሰሊዑሉ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ክኣቱ ብቀዳምነት ተታሒዙ ከም ዘሎ ኣይተ መስፍን ገሊፆም።

ክብሮም ተስፋይ ካብ ኣዲስ ኣበባ