Home ዜና ዘተ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኽ ጉጅለ ኣባላትፓርላማ ጀርመን

ዘተ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኽ ጉጅለ ኣባላትፓርላማ ጀርመን

181

ብሞኒካ ግራተርስ ዝተመርሐ ልኡኽ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ጀርመን ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ ኣድሂቡ ዘትዩ

ኣባላት ፓርላማ ጀርመን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ፣ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይን ካልኦት ዓውደ ስራሕትን ብኸመይ ከምዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣቕሪቦምሎም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ብወገኖም እቲ ከይዲ ስምምዕ ሰላም መሊኡ ብዘይምትግባሩ ብፍላይ ወረርቲ ሓይልታት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ዘይምውፀኦም፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብዘይምኽባሩን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብዘይምምላሶምን ኣብ ህዝቢ ኸቢድ ማሕብረ ቁጠባዊ ፀገማት ይበፅሑ ምህላዎም ገሊፆም

ኲናት ዝፈጠሮ ሰብ ሰራሕ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማትን ድርቅን ምኽንያት ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት እዉን ሓገዛት ዝጠልብ ጉዳይ ምዃኑ ፕረዚደንት ጌታቸው ሓቢሮም።

ብገ/መድህን ተ/መድህን