Home ዜና ዘየቋረፀ ተግባራት ግፍዕን ጨወያን ሰራዊት ኤርትራ

ዘየቋረፀ ተግባራት ግፍዕን ጨወያን ሰራዊት ኤርትራ

514

ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ተቖፃፂርዎም ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ኢሮፕን ጎሎመኸዳን 56 ተጋሩ ጨውዩ ከም ዝወሰደ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ሰላምን ዞባ ምብራቕ ኣፍሊጡ፡፡ ብመሰረት ኣብ ፕሮቶርያ ዝተኸተመ ውዕሊ ሰላም ወራሪ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክወፁ ዘገድድ እኳ እንተኾነ ዛጊድ ተግባራዊ ብዘይምዃኑ እዞም ጀኖሳይዳዊ ሓይልታት ኣብቲ ብወረራ ሒዘምዎ ዝርከቡ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ከቢድ መዓልታዊ ግፍንዕን ሞትን ይኸውን ከም ዘሎ ኣተሓባበሪ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ኪዱ ገ/ፃድቃን ገሊፆም ። ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ኣካል እቲ መዓልታዊ ዘካይዶ ግፍዕታትን ጉሕለት ንብረት ህዝብን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሮቶርያ ጥራሕ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳታት ጉሎ መኸዳ፣ ኢሮብን ከተማ ዛላንበሳን 56 ነበርቲ ጨውዩ ከም ዝወሰዶምን ዛጊድ ደሃዮም ከምዘይፍለጥን ድማ ኣይተ ኪዱ ሓቢሮም ፡፡ እቲ ጀኖሳይዳዊ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ እቲ ተቖፃፂርዎ ዘሎ ወረዳታት ዝርከቡ ነበርቲ ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈለጠ ይቕተሉን ይጋፍዑን ከምኡ እውን ንብረቶም ይዝመት ከምዘሎ እውን ኣይተ ኪዱ ኣረዲኦም፡፡ ብካልእ ገፅ እቲ ሓረስታይ እውን እታወታት ሕርሻ ከይኣትዮ ተኸልኪሉ፣ ጥሪቱ ተዘሚቱ፣ብሓለንጋ ጥምየትን ሕማምን ይመውት ከምዘሎን ሓቢሮም። ህዝቢ እቲ ከባቢ ድማ መለለይ መንነት (ታሴራ) “ኤርትራዊ” ዝብል ክወፀሉ፣ ዕዳግኡ ድማ ኣብ ኤርትራ “ሰንዓፈ” ክኸውን መምርሒ ከምዝወረደሉ እቶም ኣተሓባበሪ ኣገንዚቦም፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ወራሪ ስርዓት ካብ ዝሓዞ ለኣላዊ መሬት ትግራይ ተፀራሪጉ ክወፅእ፣ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን፣ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዘሎ ህዝብና፣ ለኣላዊ መሬትናን ዝተመዛበሉ ህዝብናን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንኽምለስ ብዕቱብ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም ክብል ወይን ፀብፂቡ።