Home ዜና ዘይተተግበረ ድጎማ ነዳዲ ትግራይ

ዘይተተግበረ ድጎማ ነዳዲ ትግራይ

516

ናህሪ ዋጋ ታሪፍ ከቃልል እዩ ተባሂሉ ተስፋ ዝተነበረሉ ድጎማ ነዳዲ ዛጊድ ናብ ተግባር ብዘይምእታው ኣብ ዋጋ ታሪፍ መጓዓዝያ ለውጢ ከምዘየለ ነበርቲን ኣሽከርከርቲን ከተማ መቐለ ሓቢሮም፡፡

19 ጉንበት 2015 ዓ/ም ብፌደራል ዝግበር ድጎማ ነዳዲ ትግራይ ተጠቃሚት ከምዝኾነትን ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግልጋሎት ዝህባ ተሽከርከርቲ ድጎማ ከምዝግበርን ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸቢን ትግራይ ዝሃበና መብርሂ ኣብ እወጃ ዜና 19 ግንቦት ፀብፅብና ምንባርና ዝዝከር እዩ፡፡ ይኹን ድኣ እምበር እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኣንፀላልዩ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ታሪፍ ከቃልል ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ድጎማ ነዳዲ ዛጊድ ኣብ ተግባር ከምዘይወረደን ተጠቀምቲ ክኾኑ ከምዘይኸኣሉን ኣሽከርከርቲ ህዝባዊ ግልጋሎት ከተማ መቐለ ይዛረቡ፡፡

ነቲ ድጎማ ተጠቃሚ ዝገብር መምርሕታት ኣማሊእና ኢና ዝበሉ እቶም ኣኽከርከርቲ ኣብ ተግባራዊነቱ ግና ምዝንጋዓት ከምዘሎ እዮም ዝሕብሩ፡፡ እቲ ድጎማ ነዳዲ ክጅመር እዩ ምባሉ ስዒቡ ኣብ ታሪፍ መጓዓዝያ ታክሲ ምምሕያሽ ክግበር ተገልፁ እኳ እንተፀንሐ ዛጊድ ግና ክትግበር ከምዘይከኣለን ስርዓት ዘይብሉ ኣከፋፍላ ከምዘሎን ድማ ተገልገልቲ ታክሲ ከተማ መቐለ ሓቢሮም፡፡

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት መንገዲን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ወ/ሮ ሓያት ከድር ድማ እቲ ድጎማ ነዳዲ መሰረት ዝገበረ ግዝያዊ ምምሕያሽ ታሪፍ ታክሲ ዕላዊ ከም ዝተገበረ ብምግላፅ እዚ ንኸይትግበር ግና ምትእጉጓል እቲ ድጎማ ነዳዲ ኣብ ኣሽከርከርቲ ሕቶ ኣልዕሉ እዩ ኢለን፡፡

ብቢሮ ትራንስፖርትን መራኸቢን ትግራይ ዝፍፀም ድጎማ ነዳዲ ምድንጋያት ከምዘሎ ዝሓበራ ወ/ሮ ሓያት እዚ ድማ እቲ ድጎማ ቐልጥፉ ናብ ተግባር ክኣቱን ኣብ ሕብረተሰብ ዝርኣይ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ታሪፍ ክዕሪ ንሰርሕ ኣለና ኢለን፡፡

ልዕሊ15 መዓልታት ዝገበረ ዕላዊ ምጅማር ድጎማ ነዳዲ ትግራይ ዛጊድ ንምንታይ ናብ ስራሕ ኣይኣተወን ኢልና ዝሓተትናዮም ሓላፍ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸቢን ትግራይ ኣይተ ታደለ መንግስቱ እቲ ፀገም ብሰንኪ ምቑርራፅ ኢንተርኔትን ግልጋሎት እቲ ትካል ብሙልእነት ካብ ዘይምጅማርን ዝብገስ ምዃኑ ኣረድኦም፡፡

እቲ ቢሮ ምስ ኣካላት ፌዴራልን ኢትዮ-ቴሌኮም ረጅን ሰሜንን ብምዝርራብ እቲ ፀገም ክፍታሕን ድጎማ ነዳዲ ቐልጥፉ ናብ ተግባር ንምእታውን ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ኣይተ ታደለ መንግስቱ ኣብርሆም፡፡

# ገነት ካሕሳይ