Home ዜና ዝቕባበ ሸርፊ ወፃኢን ኣብ ስራሕቲ አሉምንየምን መስትያትን ዝፈጠሮ ፅዕንቶን

ዝቕባበ ሸርፊ ወፃኢን ኣብ ስራሕቲ አሉምንየምን መስትያትን ዝፈጠሮ ፅዕንቶን

615

ኣብ ስራሕቲ አሉምንየምን መስትያትን ዝተዋፈሩ ነጋዶ ብሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዝተፈጠረ ዝቕባበ ንሰራሕቶም ዕንቅፋት ከምዝፈጠረሎም ገሊፆም ፡፡

ኣብ ስራሕቲ አሉምንየምን መስትያትን ዝተዋፈሩ ነጋዶ ከተማ መቐለ ተረኽቡ ብዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ናብ ንቡር ስራሕቶም ተመልሶም ምንቅስቓስ ዋላእኳ እንተገበሩ ብምኽንያት ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዝተፈጠረ ዝቕባበ ንስራሕቶም ዕንቅፋት ከምዝኾኖም ገሊፆም ፡፡

ኣብ ስራሕቲ አሉምንየምን መስትያትን ዝተዋፈሩ ነበርቲ ከተማ መቐለ ቅድሚ ኲናት ፅቡቕ ስራሕ ብምስራሕ ናብ ዝሐሸ ለውጢ ተሰጋጊሮም ከምዝፀንሑ ኮይኑ ግና እቲ ኲናት ዝወለዶ ዕፅዋ ኣብ ስራሕቶም ማህሰይቲ ከምዘብፅሐሎም ገሊፆም ፡፡

እቶም ኣብ ስራሕቲ ኣልምንየምን መስትያትን ዝተዋፈሩ ወገናት ተረኽቡ ብዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ናብ ንቡር ስራሕቶም ተመልሶም ምንቅስቓስ ዋላእኳ እንተገበሩ ብምኽንያት ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዝተፈጠረ ዝቕባበ ዋጋ ኣልምንየምን መስትያትን ብሰለስተ ዕፅፊ ብምውሳኹ ከምኡ እውን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ብስሩዕ ዘይምጅማሩን ስራሕቶም ክዘሓሐል ከምዝገበሮ ተዛሪቦም ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስቲ ዝሓለፈ ሕደት ኣዋሪሕ እንትነፃፀር እቲ ዋጋ ኣልምንየምን መስትያትን ካብ ዝነበሮ ዉሱን ምንካይ ተርእዮታት ከምዘለዎ እቶም ኣብ ስራሕቲ ኣልምንየምን መስትያትን ንግዲ ዝተዋፈሩ ወገናት ገሊፆም፡፡

#ብበላይ ሽፈራው

—-