Home ዜና ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእቲ ዘልኣለማዊ ክብሪ ተጋሩ ኾይኑ ዝቕፅል ዝዓነወት ትግራይ ኣብ ምህናፅ...

ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእቲ ዘልኣለማዊ ክብሪ ተጋሩ ኾይኑ ዝቕፅል ዝዓነወት ትግራይ ኣብ ምህናፅ እንትንዓስል እዩ ኢሉ ተጋዳላይ ምግበይ ሃይለ፡፡

508

ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእቲ ዘልኣለማዊ ክብሪ ተጋሩ ኾይኑ ዝቕፅል ዝዓነወት ትግራይ ኣብ ምህናፅ እንትንዓስል እዩ ኢሉ ተጋዳላይ ምግበይ ሃይለ፡፡

ባህጊን ዕላማን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራሕ እዩ ዝበለ ተጋዳላይ ምግበይ ዝተጀመረ እማመ ሰላም ውሕስ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ መንገድ ሰላማዊ ቃልሲና ቀፃሊ እዩ፤ነዚ ድማ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ኩናት ዘርኣዮ ብልሒ ጅግንነት ኣብ መንገዲ ሰላም እውን ቃልሱ ከሐይል ይግባእ ኢሉ፡፡

መናእሰይ ትግራይ ሕድሪ ሰማእታት እትቕበልሉ ብጥንኩር ውዳበ ክኸውን ይግባእ ድማ ኢሉ ተጋዳላይ ምግበይ፡፡

ተጋዳላይ ምግበይ ሃይለ ነዚ ዝበለ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት 15 ሰነ ማሕበር መናእሰይ ከተማ መቐለ ኣብ ዘሳለጦ ምይይጥ እዩ፡፡