Home ዜና ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት

ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት

535

ዕማማት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝረጋገፅ ብተሳትፎ ህዝቢ ብምኳኑ ነብሲ ወከፍ ሕ/ሰብ ኣብ ዝተዋፈረሉ ዓውደ ሞያ ብተወፋይነትን ቅንዕናን ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ክረባረብ ይግባእ ኢሉ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚከሽን ትግራይ።እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ዝገለፀ በብመዋእሉ ሃለዋትን ድሕንነትን ፣ ፍትሕን ርትዕን ፣ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር እዩ።መበል 35 ዓመት መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት እንትነብዕል በብመዋእሉ ሃለዋትን ድሕንነትን ፣ ፍትሕን ርትዕን ፣ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ብምሕዛን እንተይኮናስ ፣ ነዚ ዘለናሉ እዋን ብዝጠልብ ተሳትፎ ኩሉ ሕ/ሰብ ንሕድርታቶም ቃል ብተግባር ክነዕውት እንተለና እዩ ኢሎም ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒከሽን ትግራይ ኣይተ ሓዱሽ ካሕሱ።

ዕማማት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝረጋገፅ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሓዱሽ ካሕሱ ሕድሕድና ኣብ ዝተዋፈረሉ ዘፈር ሞያ ብተወፋይነትን ቅንዕናን ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ክንረባረብ ከም ዝግባእ ድማ ኣገንዚቦም።ኣብዚ ሐዚ እዋን በብእዋኑ ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ዝሽርሽሩ ገበናትን ስግኣት ገበናትን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ይፍፀሙ ከምዘለው ዝገለፁ ኣይተ ሓዱሽ ኻሕሱ ክብርታትን ስብእናን ተጋሩ ንምሕላውን ውሑስ ፀጥታ ከባቢ ንምውሓስን ፣ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ቃል ብተግባር ንምዕማም ድማ ክንረባረብ ይግባእ ኢሎም።መበል 35 ዓመት ዝዝከር መዓልቲ ሰማእታት ሎሚ ዘበን ድማ ሕድሪ ስውኣትና ንሕውየትን ፍትሕን ፣ ሕድሪ ስውኣትና ንመድረኻዊ ዕማማትና ብዝብ መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ እናተኸበረ እዩ።#ብመርሃዊ ተስፋይ