Home ዜና ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ሓውዜን

ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ሓውዜን

733

መበል 35 ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ሎሚ 11 ሰነ 2015 ኣብ ከተማ ሓውዜን ይኽበር ኣሎ።ኣብቲ በዓል ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊትን ህዝቢ ሓውዜንን ተረኺቦም።እቲ ሎሚ ኣብ ሓውዜን ዝኽበር ዘሎ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማዕታት ትግራይ ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ነቶም ምእንተ ህዝቦምን ዓዶምን ክብሉ እንኮ ህይወቶም ዝበጀው ጀጋኑ ሰማዕታት መስዋእቶም ብዘኽብርን ሕድሮም ብዘውርስን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ክዝከር ኢዩ።

#ገ/መስቀልኪሮስ