Home ዜና ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ

ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ

653

ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ

ነበርቲ ከተማ መቐለ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ንሰማእታትና ጥዋፍ ብምብራህ ዘኪሮም።ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ግቢ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ድማ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ትግራይ ተረኺቦም ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ክበሃል እንኮ ህይወቶም ዝበጀው ናይ ሎሚን ትማሊን ስውኣት ብፆቶም ዘኪሮም።

ሎሚ ዘበን ንመበል 35 ዓመት ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ”ሕድሪ ስውኣትና ንሕውየትናን ፍትሕን፣ሕድሪ ስውኣትና ንመድረኻዊ ዕማማትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ምኽባር ይርከብ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ