ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ
ነበርቲ ከተማ መቐለ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ንሰማእታትና ጥዋፍ ብምብራህ ዘኪሮም።ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ግቢ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ድማ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ትግራይ ተረኺቦም ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ክበሃል እንኮ ህይወቶም ዝበጀው ናይ ሎሚን ትማሊን ስውኣት ብፆቶም ዘኪሮም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/3-42-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/5-25-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/2-47-1024x576.jpg)
ሎሚ ዘበን ንመበል 35 ዓመት ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ”ሕድሪ ስውኣትና ንሕውየትናን ፍትሕን፣ሕድሪ ስውኣትና ንመድረኻዊ ዕማማትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ምኽባር ይርከብ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/6-17-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/9-10-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/4-36-1024x576.jpg)
#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ