Home ዜና “ይትረፍዶ ትምህርቲ ክንመሃር ዝብላዕ እውን ኣይረኸብናን”ተመዛበልቲ ህፃናት፡፡

“ይትረፍዶ ትምህርቲ ክንመሃር ዝብላዕ እውን ኣይረኸብናን”ተመዛበልቲ ህፃናት፡፡

512

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣዕቊቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ህፃናት ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ከምዘይረኸቡን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ከምዝርቡን ገሊፆም፡፡ህፃናት ካፒታል ጎይተኦም፣ ፍቓዱ ግርማይን ኣኽበረት ገ/ሂወትን ኣብ ትግራይ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ቅድሚ ምውላዑ ኣብ መረበቶም ብፅቡቕ ኩነታት ይምሃሩ ከምዝነበሩ ይዝንትው፡፡

እዞም ህፃናት መረበቶም ብሓይሊታት ፅንተት ስለዝተወረረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ማእኸል መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከተማ ሽረ ኣዕቊቦም ከም ዝርከቡን ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዋላእኳ እንተተጀመረ ንሳቶም ግና ይትረፍ ትምህርቲ ክመሃሩ ዝብላዕ እውን ስእኖም ግዳይ ኣከላውን ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ኮይኖም ከምዘለው ይዛረቡ፡፡

ብፍላይ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኢና ንርከብ ዝበሉ እቶም ህፃናት ብቅልጡፍ ሓገዝ ክረኽቡን ናብ መረበቶም ተመሊሶም ድማ ንሰለስተ ዓመታት ዝተቋረፀ ትምህርቶም ንምቕፃል ዝለዓለ ድሌት ከምዘለዎምን ይገልፁ፡፡

ወለዲ እቶም ህፃናት ብወገኖም ተመዛበልቲ ህፃናት ይትረፍ ትምህርቲ ክምሃሩ ብስእነት ምግቢ ኣብ ናይ ብህይወት ምንባርን ዘይምንባርን ሓደጋ ወዲቆም ከምዘለውን ብህይወት ክንነብርን ደቂና ክነምህርን እተኾይና ግና ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ መረበትና እትንምለስ ጥራሕ እዩ ኢሎም፡፡ብተወሳኺ እውን እቶም ተመዛበልቲ ወገናት ኣብ ከቢድ ፀገምን ስቓን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብዝምልከቶም አካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ህፁፅ መፍተሒ ክግበረሉ ፀዊዖም፡፡

ብታደለ ዳኘው