Home ዜና ደቀቕቲ ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ

ደቀቕቲ ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ

45
0

ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ኣዝዩ ዝተሃሰየ ምንቅስቕቓስ ደቀቕቲኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዳግም ምንቕቓሕ ከም ዘድልን ነዙይ ንምዕዋት ድማ ብትኹረት ክስራሓሉ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተገለፀ ዕቑር ዓቕሚ ደቀቕቲ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ንዳግመ ሕዉየትን ህንፀትን ትግራይ ምጥቃም ብዝብል ቴማ ሰብ መዚ ፌደራልን ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተሳለጠ መድረኽ እዩ።

ቕድሚ ሐዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰብ ሓይሊ ሓቑፈን ዝለዓለ ዕድል ስራሕን  ቑጠባዊ ዓቕምን ፈጢረን ዝነበራ ደቀቕቲ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ  በቲ ዝተፈፀመ ጆነሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ዓንየንን ተወሪረንን እየን ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዶ/ር ገብሪህይወት ዓገባ ነዙይ ዳግም ንምንቕቓሕን በዚ ኣቢልካ ዳግመ ሕዉየት ትግራይ ንምስላጥን ዘኽእሉ ስራሕቲ ይዉገን ከም ዘሎ ገሊፆም።

ምክትል ዳይርክተር ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢት/ያ ዶ/ር ዓብደል ፈታሕ የሱፍ ብወገኖም ብኩናት ዝተጎድአ ኢንተርፕራይዝ ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይ ብትኹረት ከም ዝስራሓሉ ኣፍሊጦም።

ዳይርክተርን ተወካሊትን ትካል ዩኒዶ ኡሌራ ካላብሮ ብግድኤን ትካለን እቲ ዘርፊ ዳግም ናብ ንቡር ንምምላስ ኩለመዳያዊ ሓገዝ ከም ዝገብርን ብዘላቕነት ከም ዝሰርሓሉ ኣገንዚበን።

ኣብ ዝተፈላለዩዩ ዘርፊ ደቀቕቲ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሽነርታት ኢንዳስትሪ ዝተዋፈሩ ኣካላት ስራሕቶም ብስእሊ ኤግዚብሽን ዘቕረቡ እንትኾኑ ዘለዉዎም ፀገማት ብቕልጡ ክፍታሓሎምን ናብ ንቡር ስራሕቶም ንክምለሱ እኹል ድጋፍን ክትትልን ክግበረሎም ፀዊዖም።

Previous articleከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር 2016 ዓ/ም ንምጅማር ፀገም ናውትን መምሃሪ ክፍልታትን ከምዘጋጠሞ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ መኾኒ ገሊፁ።
Next articleበዓል መስቀል ንሰላም፣ ሕውየትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ትግራይ ከምዝኽበር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ