Home ዜና ደቀቕቲ ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ

ደቀቕቲ ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ

437

ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ኣዝዩ ዝተሃሰየ ምንቅስቕቓስ ደቀቕቲኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዳግም ምንቕቓሕ ከም ዘድልን ነዙይ ንምዕዋት ድማ ብትኹረት ክስራሓሉ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተገለፀ ዕቑር ዓቕሚ ደቀቕቲ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ንዳግመ ሕዉየትን ህንፀትን ትግራይ ምጥቃም ብዝብል ቴማ ሰብ መዚ ፌደራልን ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተሳለጠ መድረኽ እዩ።

ቕድሚ ሐዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰብ ሓይሊ ሓቑፈን ዝለዓለ ዕድል ስራሕን  ቑጠባዊ ዓቕምን ፈጢረን ዝነበራ ደቀቕቲ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ  በቲ ዝተፈፀመ ጆነሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ዓንየንን ተወሪረንን እየን ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዶ/ር ገብሪህይወት ዓገባ ነዙይ ዳግም ንምንቕቓሕን በዚ ኣቢልካ ዳግመ ሕዉየት ትግራይ ንምስላጥን ዘኽእሉ ስራሕቲ ይዉገን ከም ዘሎ ገሊፆም።

ምክትል ዳይርክተር ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢት/ያ ዶ/ር ዓብደል ፈታሕ የሱፍ ብወገኖም ብኩናት ዝተጎድአ ኢንተርፕራይዝ ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይ ብትኹረት ከም ዝስራሓሉ ኣፍሊጦም።

ዳይርክተርን ተወካሊትን ትካል ዩኒዶ ኡሌራ ካላብሮ ብግድኤን ትካለን እቲ ዘርፊ ዳግም ናብ ንቡር ንምምላስ ኩለመዳያዊ ሓገዝ ከም ዝገብርን ብዘላቕነት ከም ዝሰርሓሉ ኣገንዚበን።

ኣብ ዝተፈላለዩዩ ዘርፊ ደቀቕቲ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ማንፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሽነርታት ኢንዳስትሪ ዝተዋፈሩ ኣካላት ስራሕቶም ብስእሊ ኤግዚብሽን ዘቕረቡ እንትኾኑ ዘለዉዎም ፀገማት ብቕልጡ ክፍታሓሎምን ናብ ንቡር ስራሕቶም ንክምለሱ እኹል ድጋፍን ክትትልን ክግበረሎም ፀዊዖም።