Home ዜና ደገፍ ጃፖን ንህንፀት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ

ደገፍ ጃፖን ንህንፀት ዝዓነዋ ኣብያተ ትምህርቲ

501

ጃፓን ብሰንኪ ኩናት ዝዓነዉ ኣብያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ዘኽእል ደገፍ 8 ነጥቢ 1 ሚልየን ዶላር ገይራ። ጃፓን ኣብ ትግራይን ካልኦት ኲናት ዝተኻየደሉ ከባቢታት ኣምሓራን ብሰንኪ ኩናት ዝዓነዉ ኣብያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ዘኽእል ደገፍ 8 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር ገይራ።ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ፥ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮን ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቡበከር ካምፖ(ዶ/ር) ክታሞም ኣምቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ንዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።ኣብዚ ውሽጢ ሰሙን ኣምባሳደራት ጃፓን፣ነርወይን ኒውዝላንድን ምስ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ተራኺቦም ኣብ ዝዘተይሉ እዋን መንግስቲ ጃፓን ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዝዓነዋ ትካላት ትምህርቲ ዳግም ንምህናፅ ከም እትሕግዝ ቃል ምእታዋ ምፅብፃብና ይዝከር።