Home ዜና ደግሲን ስግኣትን ኲናት ሱዳን

ደግሲን ስግኣትን ኲናት ሱዳን

534

ን24 ሰዓታት ደው ኢሉ ዝነበረ ኲናት ሱዳን ዳግም ምውልዑ ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ብሞንጎኝነት ሱዕዲ ዓረብን ኣሜሪካን ን24 ሰዓታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኲናት ሱዳን ዳግም ምውልዑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ካልኣይ ሰግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊፁ፡፡

ማዕኸን ዜና ፍራንስ 24 ከም ዝሓበሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሕላፍ ኣብ ሞንጎ ተዋጋእቲ ኣካላት ተበፂሑ ዝነበረ ስምምዕነት ስዓቱ ምምልኡ ስዒቡ ኣብ ማእኸል ከተማ ካርቱም ከቢድ ኲናት ተወሊዑ ኣሎ፡፡ኣብ መንጎ ወታደራዊ መራሕቲ ሱዳን ተወሊዑ ራብዓይ ሰሙን ሒዙ ዘሎ ኲናት ሱዳን፤ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ሓዊሱ ናብ መላእ ግዝኣታት እታ ሃገር ዝተስፋሕፈሐ ኰይኑ፤ ህዝቢ ሱዳን ንኸቢድ መከራ ከም ዝተሳጠሐ ፀብፃባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የማላኽት ኣሎ፡፡ኣ

ብ ከተማታት ሱዳን ብሰንኪ ዘሎ ኲናት መሰረተ-ልምዓትን መሰረታዊ ግልጋሎታትን ደው ምባለን ስዒቡ፤ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽባፃሕ ብሸምጋልነት ሱዕዲ ዓረብን ኣሜሪካን ተናሓናሕቲ ኣካላት ን24 ስዓታት ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኲናት ደው ከብሉ ኣትየምዎ ዝፀንሑ ውዕሊ፤ ስዓት ምስኣኸለ ናብ ኲናት ተመሊሶም ይርከቡ፡፡

3 ሰነ 2015 ዓ.ም ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ሓይሊታት ተበፂሑ ዝነበረ ጊዚያዊ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል፤ ህዝቢ ካርቱም ብውሱን መልክዑ ክካብ ገዛውቱ ብምውፃእ ቀለቡ ክዕድግ እኳ እንተተጓየየ ኣብታ ከተማ ዘለዋ ድንኳናት ወይ ተወሪረን ወይ ቀረበን ተወዲኡ ተስፋ ዘቑርፅ ኩነታት ከም ዝገጠሞም ነበርቲ ካርቱም ክገልፁ ተራእዮም፡፡ዋና ከተማ ሱዳን ዝኾነት ካርቱም ናብ ምድረባዳነት ተለዊጣ ክብል ኣስካሕካሓይነት እቲ ኲናት ዝፀብፀበ ቴሌቪዥን ፍራንስ 24፤ ህዝቢ እታ ከተማ ን24 ሰዓታት ረኺብዎ ዝነበረ ዕረፍቲ ብደግሲ እቲ ኲናት ናብ ዳግማይ ቅልውላው ተሳጢሑ ምህላዉ ኣመላኺቱ፡፡

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተናሓናሕቲ ወታደራዊ ሓለፍቲ ብሰንኪ ዝተወለዐ ኲናት፤ ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ሱዳን ዓዱ ገዲፉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰደደ እንትኾን፤ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም እውን ኣብ ሱዳን ዝነበሩወን ዜጋታት ብዝተፈላለዩ መማረፂታት ክወፁ ጌረንኦም ኣለዋ፡፡

ንሓፂር ስዓታት ካብ ድምፂ ተኹሲን ህውከትን ወፂና ጎደናታት ክንዕዘብን ምስ ሰባት ብኣካል ክንራኸብን እኳ እንተኸኣልና፤ ኣብታ ከተማ መሰረታዊ ዝበሃሉ ሸቐጣት ተወዲኦም ስለ ዝፀንሑ ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ካሊእ ከባቢ ክንመላለስ ተገዲድና ክብል ምስ ፍራንስ 24 ፃንሒት ዝገበረ ነባራይ ከተማ ካርቱም ኣማር ሓሰን፤ ካሊእ ተሪፉ ማእኸላት ጥዒና እታ ከተማ እውን ጥረሐን ተሪፈን ምህላወን ሓቢሩ፡፡

ብዘይካ መዕርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳን፤ ካልኦት ዓለም ለኻዊ በረራታት ዘተኣናግዱ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ምዃኖም ዝጠቐሱ ካብታ ሃገር ንምውፃእ ክቀዳደሙ ዝተርኣዩ ዜጋታት ሕቡራት ኤሜራት ዓረብ ብግዲኦም፤ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝርከቡ ሆቴላትን ወሃብቲ ግልጋሎታትን ተጨናኒቐን ኣለዋ፡፡ጎዳናታትን ዙርያ ኤርፖርት ሱዳንን ኣናእሽቱ መፅለሊታት ተሰሪሕሎም ናብ ግዝያዊ መዕረፊ ተለዊጦም ኣለዉ ዝበለ ፀብፃብ ፍራንስ 24፤ ኣብ መንጎ ተናሓናሕቲ ኣካላት ተበፂሑ ዝነበረ ስምምዕነት ጊዛያዊ ኲናት ደው ምባል፤ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ናብታ ብሕታዊት ኤርፖርት ንኽጓዓዙ ዕድል ከፊቱ ከም ዝነበረ ኣመላኺቱ፡፡

ብሰንኲ ኲናት ሱዳን ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ናብ ዓዶም ክምለሱ ዕድል ዝኸፈታ እኳ እንተኾና፤ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ሓይሊታት ካብ ምዕራብ ትግራይ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለዉ ወገናት ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ወረርቲ ሓይሊታት ካብ ዝሓዝዎ ምዕራብ ትግራይ ለቒቖም ክወፁ ተደጋጋሚ ፃውዒት ከቕርቡ ምፅነሖም ይዝከር።

#ገ/ብሄር ሃይሉ