Home ዜና “ዲፕሎማት ኣሜሪካ ብሓይልታት ፅንተት ኣብ ዝተወረረ መሬት ትግራይ ምብፃሕ ምግባሮም ተቀባልነት የብሉን።”...

“ዲፕሎማት ኣሜሪካ ብሓይልታት ፅንተት ኣብ ዝተወረረ መሬት ትግራይ ምብፃሕ ምግባሮም ተቀባልነት የብሉን።” ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ

640

ኣባላት ኤምባሲ ኣሜሪካ ሓይልታት ፅንተት ብሓይሊ ኣብ ዝሓዝዎ መሬት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘካየድዎ ምብፅሕ ነቲ ከይዲ ሰላም ዝኾልፍን፣ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ንዋጋ ዕዳጋ ዘቕርብን ምኻኑ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣባላት ዲፕሎማት ኤምባሲ ኣሜሪካ ዕላምኡ ዘይተነፀረ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ፅንተት ዝርከብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ዝገበርዎ ምንቅስቃስ ኣመልኪቶም ኣብ ገፅ ትዊተሮም ምላሽ ዝሃቡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ እቲ ተግባር ተቐባልነት ዘይብሉን አሜሪካ ነቲ ከይዲ ሰላም ኣብ ምዕዋት እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝቃረን ተግባር እዩ ኢሎም።

እቶም ዲፕሎማት ሓይልታት ፅንተት ብወረራ ብሓይሊ ኣብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ምብፃሕ ምግባር ማለት ብሓይልታት ፅንተት ብሓይሊ ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ኣፍልጦ ከም ምሃብ ይቑፀር ድማ ኢሎም ኣይተ ጌታቸው ረዳ።

እቶም ዲፕሎማት ብዘይሕጋውያን አማሓደርቲ ኢና በሃልቲ ኣብ ዝተምሃዘ ድራማ ምስታፎም ግልፂ ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዚ ተግባር ኣሜሪካ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እትገብሮ ድጋፍ ዝፃረርን ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ ክብሉ ገሊፆም።