Home ዜና ዳግመ ህንፀት ሳባ ኢትዮ-ፒክ ሪዞርት

ዳግመ ህንፀት ሳባ ኢትዮ-ፒክ ሪዞርት

503

ብሓይልታት ፅንተት ዝዓነወ ሳባ ኢትዮ ፒክ ሪዞርት ዳግም ንምህናፅ ክንረባረብ ኢና፦በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ ኣብ ወረዳ ሓዉዜን ጣብያ ፍረወይኒ ኣብ እግሪ እቶም ኢድ ንኢድ ተኣሳሲሮም ሰንሰለት ዝሰርሑ ዉቁባት ጎበታት ብልዕሊ 80 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ሙዑሩግ ሪዞርት ኔሩ ሳባ ኢትዮ ፒክ ሪዞርት፡፡

እዚ ብተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ዝተሃነፀ ሪዞርት ካብ ምልማዕን ምልላይን ሃፍቲ እቲ ኸባቢ ብተወሳኺ ደረጅኡ ዝሓለዎ ዓለም ለኸ ሪዞርት ብሙዃን ኣብ ሃፍቲ ቱሪዝም ትግራይ ዝላዓለ ፍልፍል እቶት ክኸዉን ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በፂሑ ዉሱን ስራሕቲ እንትተርፍዎ እዩ ብሓይልታት ፅንተት ክዓኑ ዝኻኣለ ይብሉ ካብቶም ሰብ ብፅሒት እቲ ረዞርትን ኣካቢ ቦርድን በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ፡፡ይኹን እምበር ይብሉ ኣይተ ኣዘዞም ፀላእቲ ሃፍትናን ንብረትናን ዋላ እንተዕነዉዎ ኣተሓሳስባና ግን ምሳና ስለ ዘሎ ንሕና ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ጠንኪርና ብምስራሕ ዝሃነፅናዮ ሐዚ እዉን ዳግመ ሕዉየትና ንምርግጋፅ ብዝላዓለ ወነን ሕራነን ዝያዳ ክንሰርሖን ትግራይ ብፅፍርና ዳግም ክንሃንፃን ይግባእ ኢሎም፡፡

ነባሪ እቲ ኸባቢ ኣይተ ኪዳይ ተኽለሃይማኖትን ከንቲባ ከተማ ሓዉዜን ኣርኣያ ሃይለማርያምን ሳባ ኢትዮ ፒክ ሪዞርት ዝለዓለ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ተጠቃምነት ሕ/ሰብ ኣብ ምርግጋፅ ተስፋ ዝተነበረሉ ከም ዝነበረ ኣረዲኦም፡፡

ስለ ዝኾነ ድማ ምምሕዳር ከተማ ሓዉዜንን ማ/ሰብ እቲ ኸባብን ሰብ ሃፍትን ተሓባቢሮም ኣብ ዳግመ ህንፀት ሳባ ኢትዮ ፒክ ሪዞርት ክረባረቡ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም፡፡ንኣብነት ድኣ ዕንወት ሳባ ኢትዮ ፒክ ሪዞርት ኣልዒልና እምበር ኣብቲ ከባቢ ብርክት ዝበሉ መስሕብ በፃሕቲ ዓዲ ከም ዝዓነዉን በዙይ ድማ ኣብ ሃፍቲ ቱሪዝም ትግራይ ከቢድ ሃሰያ ከም ዝበፅሐ ንምዕዛብ ክኢልና ኢና፡፡

# ብህይወት ብርሃነ