Home ዜና ዳግመ ህንፀት ትግራይ

ዳግመ ህንፀት ትግራይ

526

“ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ብዝተተለመን ዝተወደበን ኣገባብ ምስራሕ መማረፂ ዘይብሉ ዕማም እዩ።” ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ክላስተር ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለፀ እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ብዝብል ቴማ ንምርግጋፅ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክውሰዱ ዘለዎምን ዝውሰዱ ዘለው ተበግሶታትን ኣመልኪቱ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዘተ እዩ።

ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ብዝኾነ መንገዲ ክንሓልፎ ዘይንኽእል ዋኒን ኩሉ ትግራዋይን ናይሓባር ዕላምን ከቢድ ሸኽምን እዩ ድማ ኢሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ።እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ከቢድን ፃዕሪ ዝሓትትን ወላ እንተኾነ ኩለ መዳያዊ ዓቕምታትና ብምጥቃም ንምፍትሑ ክንሰርሕ ይግባእ ክብል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣገንዚቡ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኪናት ብፍፁም ጭካነን ኩሎም ዓይነታት መሳርሒ ኲናትን ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝበፅሐ ዕንወት ብቐሊሉ ዘይለዓል ዕንወት ትግራይ ተሸኪማ ትርከብ ዝበለ ድማ ጅርነራል ተኽላይ ኣሸብር እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓዊሱ ሙሁራን ፥ተነሓናሕቲ ውድባት ካልኦት ዓቅምታት ትግራይን ይሳተፉ ኣለው።

ብሙስጦፋ ጡሃ