Home ዜና ዳግም ምጅማር ቱሪዝም ትግራይ

ዳግም ምጅማር ቱሪዝም ትግራይ

245

አብ እዋን  ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ዝተሰረቁ ቅርስታት ንምምላስን ቱሪዙም  ትግራይ ዳግም ንምኸፋት ይሰርሕ ከምዘሎ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ አብ ከተማ መቐለ አብ ዘሳለጦ ዋዕላ አፍሊጡ።

ቱሪዝም ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይን ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያን ብሓባር አብ ከተማ መቐለ ዋዕላ አሳሊጦም አለው።

አብቲ እዋን ዘረባ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶክተር አፅብሃ ገብረዝግኣብሄር አብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝተሰረቁ ቅርስታት ክምለሱን ቱሪዝም ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ    ሓቢሮም።

ቱሪዝም ትግራይ ንምዕባይን ዝተሰረቁ ቅርስታት ክምለሱ ምስ መድረግቲ አካላት ብምውዳድ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ብቆራፅነት ከምዝርሕ ዶክተር አፅብሃ ወሲኾም ገሊፆም።

 ፕሪዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ አይተ ጌታቸው ረዳ አብ ትግራይ ዘጋጠመ ከቢድ ዕንወት ቱሪዝም ንምኽሕሓስ እንዳተፀገመን እንዳጠመየን ጋሻ ዝቅበል ህርኩት ህዝቢ ሒዝና ቱሪዝም ትግራይ ዳግም ክጅምርን ክብርኽን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

መንግስቲ ፌደራል ቱሪዝም ትግራይ ንምጅማር ዝጀመሮ ዘተባብዕ ስራሕ ንንእድ ዝበሉ አይተ ጌታቸው ፣ነቲ ዘጋጠመ ኩለ መዳይ ሃሰያ ንምኽሕሓስ ብዝተጠናኸረ መንገዲ ክሕግዝ ከምዝግባእ አተሓሳሲቦም።

ሚኒስትሪ ዲኤታ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ  አይተ ስለሺ ግርማ ህዝቢ ትግራይ ሃወፅቲ  ንምቅባል ዘለዎ ልምድን ምድላውን አብ ግምት ብምእታው ቱሪዝም ትግራይ ንምጅማርን ንምጥንኻርን ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ አብ ትግራይ ዝተጀመረ አንፃራዊ ሰላም አብ ግምት ብምእታው  ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምልዛብ ቱሪዝም ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ከምዝስራሕ አይተ ግርማ ገሊፆም።

አሸናፊ ዳርጌ