Home ዜና ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተረኸበ ተነፃፃሪ ሰላም፤ዘለው ፀገማት ተፃዊርና ብሄራዊ ፈተና ንፍተን...

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተረኸበ ተነፃፃሪ ሰላም፤ዘለው ፀገማት ተፃዊርና ብሄራዊ ፈተና ንፍተን ኣለና ኢሎም ሻምናይ ክፍሊ ተፈተንቲ ተምሃሮ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሒዋነ። ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ምኽንያት ዝባኸኑ ክልተ ዓማውቲ ንፈተና ምቕራብና ሕጉሳት ኢና ድማ ኢሎም እቶም ተፈተንቲ ተምሃሮ።

486

ዋላኳ ከምናይ ስሩዕ ግዘ ኣይኹን ድሕሪ ኵናት ተማሂሮምን ተዳልዮምን ናብ ፈተና ንክቐርቡ ንዝሓገዝዎም መምሃራኖምን ኣመራርሓ ትምህርትን ዘመስገኑ እቶም ተምሃሮ፤ ዝነበርናዮን ዘለናዮን ኹነታት ብምርዳእ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ናብ ታሽዓይ ክፍሊ መሕለፊ ነጥቢ ካብቲ ቅድሚ ኵናት ዝነበሮ ምምሕያሽ ክግበር ይግባእ ኢሎም።

ሐዚ ዝፍተኑ ዘለው ተምሃሮ ብ2012 ዓ/ም መፈተኒ ቅጥዒ መሊኦም ዝነበሩ ተምሃሮ ምዃኖም ዝሓበራ ምክትል ርእሰ መምህር እታ ቤትምህርቲ መምህር ሸፈኑ ተስፋይ፤ ክፍተኑ ቅጥዒ ካብ ዝመልኡ 115 ተፈተንቲ ተምሃሮ 58 ደቂ ኣነስትዮ ዝርከበኦም 110 ተምሃሮ ነቲ ዘሎ ፀገማት ተፃዊሮም ይፍተኑ ከምዘለው ሓቢረን።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ሕንጣሎ መምህር ዳርጌ ፀጋይ ብወገኖም ህልዊ ኹነታት ትግራይ ኣብ ግምት ብእታው ኣብ ፀገም ኾይንኻ ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲን ብሄራዊ ፈተናን ድጋፍ ኹሉ ከምዝሓትት ብምግላፅ፤ እቲ ፈተና ብብርኪ ወረዳ ኣብ 29 ኣብያተ ትምህርቲ ንሓደ ሽሕን111 ተምሃሮ ይወሃብ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

#ብሳሙኤል ገብረታትዮስ