Home ጥዕና ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ዝወሃበ ዘሎ ክታበት ፀረ‑ ቫይረስ ኮሮና

ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ዝወሃበ ዘሎ ክታበት ፀረ‑ ቫይረስ ኮሮና

929

ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ምግቢን መድሓኒትን ከይረክብ ዝተፈረደሉ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ዝተረኸበ ክታበት ፀረ‑ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ከተማ መቐለ  ይወሃብ ኣሎ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ጣብያ ጥዕና ዓዲ-ሽምዱሑን ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮረና ክኽተቡ ዝረኸብናዮም ወገናት ብስእነት መድሓኒት ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ እውን እቶም ወገናት ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮረና ብዝግባእ  ይጥቀምሉ ከምዘለው ብምሕባር ብውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ትካላትን ንህዝቢ ትግራይ ዝወሃብ ሓገዝ መድሓኒት ተጠናኺሩ ክቅፅል ተላብዮም፡፡

ግልጋሎት ክህቡ ዝረኸብናዮም ሰብ ሞያ ጥዕና ብወገኖም ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ህዝቢ ትግራይ ብስእነት መድሓኒት ክመውት ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንሓደጋ ቫይረስ ኮሮና ዘሳጥሕ ከምዝኾነ ብምሕባር ሕብረተሰብ እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ብምትሕብባር ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ብዝግባእ ክኽተብ ምዒዶም ፡፡

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ሓምለ 4/2013 ዝጀመረ ወፍሪ ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ንተኸታተልቲ 15 መዓልቲታት ከምዝቅፅል ድማ ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዝተረኸበ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ብታደለ ዳኘው