Home ዜና ድሕሪ 3 ዓመት ስርሑ ዝጀመረ ወደብን ተርሚናልን መቐለ

ድሕሪ 3 ዓመት ስርሑ ዝጀመረ ወደብን ተርሚናልን መቐለ

1754

ንልዕሊ 3 ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ግልጋሎት ወደብን ተርሚናልን ጨንፈር መቐለ ካብ ጅቡቲ ብቐጥታ ናብ መቐለ ዝተፈላለዩ ናውቲ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት ንፈለማ እዋን 02 ሰነ 2015 ዓ/ም መቐለ ከም ዝኣተወት ኣብ ትራንስፓርት ባሕሪ ኢ/ያ ጨንፈር መቐለ ወደብን ተርሚናልን ኣፍሊጡ፡፡

ወደብን ተርሚናልን መቐለ ቅድሚ ጥቅምቲ 24 / 2013 ዓ.ም ኣብ ዓመት ልዕሊ 7 ሽሕ ኮንቲይነራት ግልጋሎት ዝህብ ዝነበረን ኣብ ቁጠባ ምዕባለ፣ ሰደድ ኢንቨስትመንትን ዕድል ስራሕን ዝለዓለ ግደ ዝነበሮ እዩ፡፡

ወደብን ተርሚናልን መቐለ ካብ ዝህቦ ግልጋሎት ኣብ ዓመት ልዕሊ 60 ሚልየን ብር ኣታዊ ይረክብ ከም ዝነበረ ዝገለፁ ተወካሊ ኣካያዲ ስራሕ ወደብን ተርሚናልን መቐለ ኣይተ ሃይላይ ተስፋይ እዚ ወደብ ኩሉ ዓይነት ግልጋሎት ክህብ ሙሉእ ምድላዋት ከም ዝገበረ እዮም ዝገልፁ፡፡

ካብ ጅቡቲ ናብ ከተማ መቐለ እዛ ተሽከርካሪት ሒዙ ዝኣተወ ገናሒ መኪና ኣይተ በሪሁ ተስፋይ ኣብ ከይዲ ጉዕዝኡ ዘጋጠምዎ ፀገማት ከምዘየለውን እዚ ግልጋሎት ድማ ቀፃልነት ክህልዎ መንግስቲ ብትኽረት ክሰርሐሉ ኣለዎ ኢሉ፡፡

በዓል ዋና እታ ተሽከርካሪት ኣይተ ተኽሊት ይብራህ ብወገኑ ድሕሪ 3 ዓመት ዝተፈላለዩ ናውቲ ብምምፅኡ ሕጉስ ምዃኑን ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ናብ ስሩዕ ሰራሕና ብምእታው ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ፀገም ህዝብና ኣብ ምፍታሕን ናይ ባዕልና ዝኾነ እጃም ክነበርክት ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣምፃእቲ ፣መጓዓዓዝትን ለኣኽትን ስሩዕ ዝኾነ ኣገልገልሎቶም ክጅምሩ ድማ ኣመራርሓ እቲ ወደብን ተርሚናልን ፀዊዖም፡፡

#ሃፍታይ ባህረ