Home ዜና ድምፂ ተመዛበልቲ ትግራይ

ድምፂ ተመዛበልቲ ትግራይ

455
0

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ትግራይ ድምፂ ተመዛበልቲ ይሰማዕ፣ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ብህፁፅ ይተግበር፣ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ መሬትና ይዉፅኡ፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበትና ብህፁፅ ምለሱና፣ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ይጀምርን ካልኦትን ዝብሉ መልእኽታት ዝሓዙ ጭርሖታት ብምሓዝ ኣብ ኣደባባይ ወፅኦም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ይርከቡ

።ቀንዲ ዕላማ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ወዲቖም ዘለዉ ወገናት ናብ ቦትኦም ክምለሱን ኩለመዳያዊ ፀገማቶም ንክፍታሕን ማሕበረሰብ ዓለም ኩሉ ክፈልጦን ፅዕንቶ ክፈጥርን ዝፅውዕ ሰልፊ እዩ።

Previous article552 ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሐዚ እዉን ኣብ ትሕቲ ሓይሊታት ፅንተት ከምዝርከባ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡
Next articleድምፂ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ትግራይ-