Home ዜና ድርቂን ጥሜትን ዘስዓቦ ሞት

ድርቂን ጥሜትን ዘስዓቦ ሞት

372

በሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ ዝብላዕ ዝስተ ስኢና ብጥሜት ንመውት ኣለና-ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢኣብ ወረዳ አፅቢ ብዘጋጠመ ድርቂ ስዒቡ ዝብላዕ ዝሰተ ስኢኖም ኣብ ከቢድ ጥሜትን ሞትን ከምዝርከቡ ነበርቲ እታ ወረዳ ተዛሪቦም፡፡

ኣብታ ወረዳ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ዛጊድ ቡዛሓት ወገናት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ልዕሊ 870 ተምሃሮ ትምህርቲ ከቋርፁ ከምዝተገደዱን ድማ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ወ/ሮ ተኽለ ገ/ህይወት ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ነባሪት ጣብያ ዘሬማ እትኾና ኣብታ ወረዳ ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ዝተዘረኣ መሬተን ሓሪሩ ስለዝተረፈ ዝብላዕ ስኢነን ብሕሱም ጥሜት ኣዝየን ከምዝተጎድኣ እየን ዝዛረባ፡፡

ካልኦት ነበርቲ እታ ወረዳ እውን ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ጀኖሳይዳዊ ኵናትን ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዘጋጠመ ድርቂን ስዒቡ እቲ ዘሎ ጥሜት ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ከምዝኾነ ይገልፁ፡፡ ኣብ ዕድሜኦም ከም ናይ ሎሚ ዝበለ ድርቂን ጥሜትን ርእዮም ከምዘይፈልጡን በቲ ኣጋጥሙ ዘሎ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ድርቂን ኣብ ሕቶ ምንባርን ዘይምንባርን ወዲቆም ከምዝርከቡን ዝገለፁ እቶም ነበርቲ ብኣካላት መንግስቲን ትከላት ገበርቲ ሰናይን ህፁፅ ህይወት ናይ ምድሓን ሓገዝ ክግብርሎም ፀዊዖም፡፡

ህዝቢ ወረዳ ኣፅቢ ብሰንኪ ኵናትን ድርቂን ኣብ ከቢድ ጥሜትን ሞትን እዩ ዝርከብ ዝበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ተጠቃምነትን ተሳትፎ ሕብረተሰብን እታ ወረዳ መምህር ኣርኣያ ኪዳኑ ብሰንኪ ጥሜት ዛጊድ ቡዛሓት ወገናት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ልዕሊ 870 ተምሃሮ ትምህርቲ ከቋርፁ ከምዝተገደዱን ድማ ገሊፆም፡፡ እቲ ህይወት ወገናት ዘርግፍ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ጠጠው ንኽብል መንግስቲን ትከላት ገበርቲ ሰናይን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክገብሩ እውን መምህር ኣርኣያ ወሲኾም ፀዊዖም፡፡

ብታደለ ዳኘው