Home ዜና ድርቂ መሬት ራያ

ድርቂ መሬት ራያ

314

ሓረስቶት ወረዳ ራያ ጨርጨር ብሰንኪ ድርቂ ንኸቢድ ሓደጋ ጥሜት ከምዝተቓልዑ ገሊፆም፡፡

ሓረስታይ ማረ ኩርፋይ ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያ ሓደ ኣልጋ ነባር እንትኾኑ ኽልተ ሄክታር ተሓራስ መሬት ኣለዎም ፡፡ ኣብ ፅቡቕ ወቕቲ ግራቶም ካብ 20ክሳብ 30 ኩንታል ይሓፍሱ ምንባሮም ይገልፁ፡፡ ሐዚ ግና አብቶም ዝሓለፉ ዓማውቲ ሓርሶም ኣላሳልሶም ዝዘርእዎ እኽሊ ብስንኪ ድርቂ ምህርቲ ክረኽቡ ኣይከኣሉን፡፡

በዚ ድማ ይብሉ ሓረስታይ ማረ ኩርፋይ  ንሶም ዘመሓድርዎም ዝነበሩ ክልተ ደቆም ኣለሻ ምግቢ እግሮም ናብ ዘምርሖም ገዲፎምና ተሰድቶም ይብሉ፡፡

ሐዚ ዘላቶም ትንፋሶም ንከፅንሑ ድማ ዝነበርዎም ክልተ ኣውዕር ሸይጦም ኣሕ እምባሕ ዝለመደ መረበአይ ፀረውረው ኢሉ ይብሉ ሓረስታይ ማረ ኩርፋይ፡፡

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ናይ ሎሚ ዘበን ቀዊዒ ዓይለለየ ዝበለ ሓረስታይ የለን ሓረስታይ እውን  ብሰንኪ እቲ ድርቂ ንሕሱም ጥሜት ካብ ዝተቓልዑ ነባር ጣብያ ሓደ ኣልጋ እዮም፡፡

ኣማሓዳር ጣብያ ሓደ ኣልጋ ኣይተ ብርሃኑ ፃድቕ ከምዝበልዎ ድማ ኣብቲ ወረዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ሓረስታይ ጣብያ ሓደ ኣልጋ እዚ ዝብሃል ምህርቲ ከምዘይረኸበን ንዝኸፍአ ሓደጋ ጥሜት ከምዝተቓልዐን ይሕብሩ፡፡ ብፍላይ ድማ እቲ ድርቂ ኣብ እንስሳት ዝኸፍአ ሓደጋ ከምዘብፅሐን ሓረስታይ ዝነበርኦ ጥሪት ዘብልዐን ስኢኑ ብሕሳር ዋጋ ይሸጠን ከምዘሎ ኣዝዩ መሕዘን ግዜ የሕልፍ ከምዘሎ ኣረድኦም፡፡ ነዚ ድማ መንግስቲ ኮነ ማሕበረሰብን ዓለም ብቕልጡፍ ክበፅሐሉ ኣማሓዳር ጣብያ ሓድኣልጋ ኣይተ ብርሃኑ ፃድቕ፡፡

ገነት ካሕሳይ