Home ዜና  ድርቂ ዝፈጠሮ ጥሜት አብምቁራፅ ተምሃሮ

 ድርቂ ዝፈጠሮ ጥሜት አብምቁራፅ ተምሃሮ

315

ኣብ ወረዳ ብዘት ዛጊድ 201 ተምሃሮ ብሰንኪ ጥምየት ጥራሕ ትምህርቲ ከምዘቋረፁ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እዞም ሰገናት ነበርቲ ወረዳ ብዘት እዮም። ብሰንኪ ጥሜት ገፆም ቀምሲሉ ኣብ ክንዲ ትምህርቶም ንዕለታዊ ምግቦም ይጭነቑ፥ ብሓለንጊ ጥምየት ይግረፉ ኣለዉ። ተረከብቲ መፃኢት ትግራይ ዝኾኑ እዞም ሰገናት ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቋሪፀምዎ ናብ ዝነበሩ ትምህርቲ ተመሊሶም ዋላ እኳ እንተነበሩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብጥምየት ትምህርቶም ከቋርፁ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮምልና።

ድሕሪ ስምምዕ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዝነበሮም ፀገማት ክፍታሕ ተሰፋ ኣሕዲሮም ከምዝነበሩን ይኹን እምበር ሐዚ እዉን ካብ ፀገም ክንወፅእ ኣይከኣልናን ይብሉ ወለዲ እቶም ተምሃሮ። ሙሉእ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ሚሊንየም ብዘት እዞም ሰገናት ዝመሃሩላ ቤት ትምህርቲ እያ።

መምህር ይርጋ ድራር ድማ ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ እንትኾኑ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ተምሃሮ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ጥሜት ከምዝርከቡ እዮም ዘረጋግፁ። እቲ ሓደጋ ጥምት ኣብ ተምሃሮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መምሃረን እዉን ፅልዋ የሕድር ከም ዘሎ መምህር ይርጋ ዝገለፁ።

ብሓፈሻ ኣብታ ወረዳ ዛጊድ 201 ተምሃሮ ብሰንኪ ጥምየት ጥራሕ ትምህርቲ ከምዘቋረፁ ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ ኣይተ ተኽሊት ዘሪሁን ሓቢሮም።

እየሩሳሌም ገ/መድህን