Home ዜና ድርብ ፃውዒት

ድርብ ፃውዒት

461

˝ ምግቢ እንተዝርክብ እውን በየናይ ማይ ክንዕንገል ?˝ ነበርቲ ወረዳ ገርዓልታ

ካብ መማእኸሊት ወረዳ ገርዓልታ ከተማ ረዳ 15 ኪ/ሜ ንኣንፈት ደቡብ ሓርጐፅጐፅ መንገዲ ተጓዒዝካ ጣብያ ዋልካ ትበፅሕ፡፡ ሰብ ኣልባ መንበሪ ህድሞታት ትረክብ፡፡ ትሓትቶ ሰብ መደንገፂ መልሲ ይህበካ፡፡ ኣብኡ ዝነባርነተን ወ/ሮ ብርኽቲ ግርማይ ብጥሜት ኣብ ገዝአን ተዓፂፈን ከም ዝሞታ ሓዋ ኣይተ ነጋሲ ግርማይ ይገልፅ፡፡ 4 ደቀን እውን ከምዝተሰደዱ ይሕብር፡፡ ደሃይ ደቂ ሓፍቱ ኣበይ ከምዘለው ሓበሬታ ካብ ዘይረክብ ወርሑ ከምዘሕለፈ ድማ ብጓህን ጭንቀትን ተዋሒጡ ይዛረብ፡፡

ኣብ ካልእ ጣብያ ገፀር ፅጌረዳ ፣ ቊሸት ዲነዋለ ድማ ብጥሜትን ፃምእን ዝሳቐዩ ስድራ ኣለዉ፡፡ ወዲ 5 ዓመት ዕድመ ህፃን ኣብርሃም ሓዊሱ ኣርባዕተ ወለዶ ኣብ ሓንቲ ገዛ ይነብሩ ኔሮም፡፡ ብሰንኪ ጥምየት ግና መናእሰይ ወለዲ ህፃን ኣብርሃም ተሰዲዶም፡፡ ንህፃን ኣብርሃም ዝሕብሕባ እናሓጉኡ ወ/ሮ ኣልማዝ ኣየነ እየን፡፡ ንሰን እውን ወላዲተን ስኣን መግብን ማይን ንኣፍሞት ካብ ዝሳጥሓ መዓልታት ኣቚፂረን፡፡ 4 ወለዶ እዚ ስድራ ኣብ ጥምየትን ሓደጋ ፅንተትን ኣሎ፡፡ ህፁፅ ሓገዝ ክበፅሐሉን ድማ ወ/ሮ ኣልማዝ ኣየነ ተማሕፂነን፡፡

ኣብዛ ወረዳ ጣብያ ፅጌረዳ ቀረብ ዝስተ ማይ ዘይምህላዉ ድማ ነቲ ጥምየት ኣጋዲድዎ ኣሎ፡፡ 78 ዝዕድሚኦን ወ/ሮ ኣመተ ባራኺ ድርቅን ጥምየትን እዚ ዓመት መፈናፈኒ ከምዘይብሉ እየን ገሊፀን፡፡ ካብቲ ብ1977 ዓ/ም ዝነበረ ጥምየትን ድርቅን ዝኸፈአ ከምዝዀነ እውን ሓቢረን፡፡

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ገርዓልታ ኣይተ ወልደ ኣብርሃ ገ/መድህን ኣብታ ወረዳ ብጥሜት ዝሞት ሰብ ይበራኸት ከምዘሎን  ህፁፅ ሓገዝ እንተዘይቀሪቡ ድማ ድሕሪ 2 ኣዋርሕ ከጋጥም ዝኽእል ሞትን ስደትን ሓደገኛ ከምዝኾነን ኣተሓሳሲቦም፡፡ ኣብታ ወረዳ ካብ ዝነብር ልዕሊ 46 ሽሕ ህዝቢ እቲ 85 ሚኢታዊ ንጥሜት ዝተቓለዐን ህፁፅ ሓገዝ ዝፅበን ከምዝዀነ እውን ኣረዲኦም፡፡

ኣብ ክልቲአን ጣብያታታት ዝነብር ህዝቢ ራህያ ወይክዓ ሆረየ ኲዒቶም ዓመታዊ ዝናብ ተፀብዮምን ማይ ብምዕቛር  እዮም ጐሮሮኦም ከተርክሱ ዝፍትኑ፡፡ ̋ ኣብ ራህያ ወይክዓ ሆረየ ማይ እተዕቊር መስኖ ተጠቒምካ ሕርሻዊ ማእቶትካ ንምድንፋዕ እዩ፡፡ ንሕና ግን ንመስተ ኢና ነውዕሎ፡፡ እዚ  እውን ፅቡቕ ዝናብ እንተረኺብና፡፡ ሎሚ ዘበን ግና ሕፅረት ዝናብ ንፀገምና ኣጋዲዱልና ኣሎ ይብሉ፡፡ከም ሳዕቤኑ ድማ ዓፀበኦም ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፈአ ሰጊሩ ኣሎ፡፡ ብጥምየት ዝጥወፍ ዘሎ እዚ ህዝቢ ምግቢ እንተዝረክብ እውን በየናይ ማይ ክዕንገል?

ኣብ ወረዳ ገርዓልታ ነቲ ድርቅን ጥሜትን ፅምኢ ማይ ተወሲኽዎ ንማይ ወለድ ሕማማት ዝተቓልዑ ወገናት ብዙሓት እዮም፡፡ ውፅኣት ፣ ዓበቕ ፣ ሕኸኽን ሕበጥ ዓይንን ምልክት ማይ ወለድ ሕማማት እቲ ከባቢ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣዴታትን ህፃናትን ብግዱድ ሕፅረት ምግቢ ይጥቅዑ ከምዘለዉ ኣተሓባባሪ ምክልኻል ሕማማት እታ ወረዳ ኣይተ መብራህቱ ግደይ ሓቢሮም፡፡ 100 ኣብ ግዱድ ጥሜት ዝርከቡ ሓዊሱ ልዕሊ 800 ህፃውንቲ ህፁፅ ሓገዝ ከምዘድልዮም ድማ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ወረዳ ገርዓልታ ልዕሊ 11 ሽሕ ህዝቢ ጠቅሊሉ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘይብሉን እዚ ድማ ነቲ ጥምየት ኣጋዲድዎ ብምህላውን ፍሉይ ቆላሕታ ክወሃብ ፃውዒት ዘቅረቡ ድማ ዋና ኣማሓዳሪን ኣይተ ወልደኣብርሃ ገ/መድህን እዮም፡፡

ብ #ኤፍሬም_ረደሀይ