Home ዜና ገምጋማዊ ዋዕላ ኮሚቴ ፕሮጀክት ሪፎርም ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ተሳሊጡ፡፡

ገምጋማዊ ዋዕላ ኮሚቴ ፕሮጀክት ሪፎርም ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ተሳሊጡ፡፡

219

ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ትግራይ ትብህጎ ዝማዕበለ ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ዝዓለመ መደብ እዩ- ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ

ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ስቪል ሰርቪስ፣ ኣካላት ፍትሒን፣ ትካላት ሚድያ፣ ስቪክ ማሕበረሰብን ፖለቲካዊ ውድባትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምንጋስ ብዘኽእል መንገዲ ሪፎርም ብምግባር ትግራይ ትብህጎ ዝማዕበለ ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ዝዓለመ ምኻኑ ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራተይዜሽንን ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ገሊፆም።

እዚ መደብ ክዕወት ኩሎም ኣካላት ዕዙዝ ተሳትፎ ክገብርሉ ይግባእ ኢሎም ሌተናል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

ምክትል ኣቦወንበር ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ሳሙኤል ዴዎ እዚ መደብ ኣብ ዳግመ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ትካላት ትኹረት ብምግባር ኣሳታፋይነት፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ብምርግጋፅ ብኲናት ዝዓነወ ስርዓት ምሕደራ ናብ ስሩዑ ስራሕቲ ምሕደራ ምምላስ ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ሚድያ፣ ዉድባት ፖለቲካ፣ ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ኣትካላት ፍትሒን ስቪል ሰርቪስን ዝተሳተፍሉን ኣብ ትካላዊ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝሰርሕ መደብ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ 5 ሚልዮን ዶላር በጀት ዝተትሐዘሉ ምዃኑ አብቲ ዋዕላ ተገሊፁ ።

ኣብቲ መድረኸ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማን ኣተገባብራን እቲ መደብ ዝህልዉ ዕንቅፋታትን ተስፋታትን ጠሚቱ ምስ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያን ካሎኦትን ሕቶታት ብተሳተፍቲ ቀሪቦም ተዘትይሎም እዩ።

ብወይ ኣንተ ቡዙነህ