ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ብብርኪ ክልል ንመበል29 ግዘ ዝኸበር ዘሎ መዓልቲ ኣካል ጉዱኣት ከም ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሕልውና ኣብ ዝወደቅናሉ ግዘ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብና ብሰብሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ኣብ ዝፍተነሉ ግዘን ጉዱኣት ኣካል ድማ ተደራራቢ ፀገማት ኣብ ዘሕልፍሉ ዘለው እዋን ኮይና እነኽብሮ ዘለና በዓል እዩ ክብሉ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣገንዚቦም



ኣካል ጉዱኣት ንጎኒ ብምግዳፍ ብሙሉእነት ዝረጋገፅ ዳግመ ህንፀት ትግራይ የለን ዝበሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ከም መንግስቲ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ኣካል ጉዱኣት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ንምርግጋፅ ብትኹረት ከም ዝስራሕ ኣስሚሮም
ኣካል ጉዱኣት ኣብ ኩሎም ምንቅስቃሳት ዓዶም ከም ኩሉ ዜጋ ትፅቢት ዝግበረሎምብተራ ንክፃወቱ ምቹው ባይታ ክፍጠረሎም ይግባእ ዝበላ ሓላፊት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ትግራይ ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ ኩለ መዳይ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ኣካል ጉዱኣት ንምርግጋፅ ክስራሕ ኩሉ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽውዐን ኣካል ጉድኣት ድማ ውዳበታቶም ብምጥንኻር ክሰርሑ ፀዊዐን



ጉዱኣት ኣካል ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምግሃድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቃስ ኣብ ኩሎም ዓውድታትን ቦታታትን ውክልንኦም ክረጋገፅ ይግባእ ዝበሉን ካልኦት ፃዊዕታትን ዘቅረቡ ድማ ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኒው ሆራይዞን ዩሃንስ ኣርከበ እዬም
ጉዱኣት ኣካል ሕልፊ ክግበረሎምብዘይኮነስ መዓረ መዓረ ኩሉ ዜጋ ካብ ምግላል ወፅዬ ክረኣዩን ክድገፉን ይግባእ ዝበሉ ድማ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ዝኾኑ ጉዱኣት ኣካል እዬም።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣካል ጉዱኣት ብብርኪ ዓለም ንመበል 31 ግዜ እንትፅንበል ብብርኪ ክልል ድማ ንመበል 29 ግዜ ተኸቢሩ እዩ
ሙስጦፋ ጡሃ