Home ዜና ጉዱኣት ኣካል ንጎኒ ብምግዳፍ ዝረጋገፅ ሙሉእ ዳግመ ህንፀት ትግራይ የለን ክብሉ ፕሬዝደንት...

ጉዱኣት ኣካል ንጎኒ ብምግዳፍ ዝረጋገፅ ሙሉእ ዳግመ ህንፀት ትግራይ የለን ክብሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም  

748

ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ብብርኪ ክልል ንመበል29 ግዘ ዝኸበር ዘሎ መዓልቲ ኣካል ጉዱኣት ከም ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ሕልውና ኣብ ዝወደቅናሉ ግዘ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብና ብሰብሰራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ኣብ ዝፍተነሉ ግዘን  ጉዱኣት ኣካል  ድማ ተደራራቢ ፀገማት ኣብ ዘሕልፍሉ ዘለው እዋን ኮይና እነኽብሮ ዘለና በዓል እዩ  ክብሉ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣገንዚቦም

ኣካል ጉዱኣት ንጎኒ ብምግዳፍ ብሙሉእነት ዝረጋገፅ ዳግመ ህንፀት ትግራይ የለን ዝበሉ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳ ከም መንግስቲ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ኣካል ጉዱኣት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ንምርግጋፅ ብትኹረት ከም ዝስራሕ ኣስሚሮም

ኣካል ጉዱኣት ኣብ ኩሎም ምንቅስቃሳት ዓዶም ከም ኩሉ ዜጋ ትፅቢት ዝግበረሎምብተራ ንክፃወቱ ምቹው ባይታ ክፍጠረሎም ይግባእ ዝበላ ሓላፊት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ትግራይ ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ ኩለ መዳይ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ኣካል ጉዱኣት ንምርግጋፅ ክስራሕ ኩሉ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽውዐን ኣካል ጉድኣት ድማ ውዳበታቶም ብምጥንኻር ክሰርሑ ፀዊዐን

ጉዱኣት ኣካል ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምግሃድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቃስ ኣብ ኩሎም ዓውድታትን ቦታታትን ውክልንኦም ክረጋገፅ ይግባእ ዝበሉን ካልኦት ፃዊዕታትን ዘቅረቡ ድማ ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኒው ሆራይዞን ዩሃንስ ኣርከበ እዬም

ጉዱኣት ኣካል ሕልፊ ክግበረሎምብዘይኮነስ መዓረ መዓረ ኩሉ ዜጋ ካብ ምግላል ወፅዬ ክረኣዩን ክድገፉን ይግባእ ዝበሉ ድማ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ዝኾኑ ጉዱኣት ኣካል እዬም።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣካል ጉዱኣት ብብርኪ ዓለም ንመበል 31 ግዜ እንትፅንበል ብብርኪ ክልል ድማ ንመበል 29 ግዜ ተኸቢሩ እዩ

ሙስጦፋ ጡሃ