Home ዜና ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ

ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ

190

ኣሜሪካ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክፈትሕ ዝተፈረመ ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንክኾን ክትሰርሕ እያ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር

ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ፀገም መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝግባእ ከምዝግንዘብን ነዚ ፀገም መፍትሒ ክኾን ተባሂሉ ዝተፈረመ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ክኸዉን ብትኹረት ከምዝስራሕን ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ገሊፆም።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኤሪቭን ጆዜን ብምኻን ምስ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣባላት ካቢኔን ዘትዮም።

ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ዘዘራረቡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኣሜሪካ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብምንኣድ ብፍላይ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንክትግበር ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ኣመስጊኖም ፡፡

ፕረዚደንት ጌታቸውን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ካብ ወረርቲ ነፃ ምግባርን ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበሮ ምምላስን፣ ኣፈፃፅማ ምስንባትን እግሪ ምትካልን ተመለስቲ ሰራዊት፣ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሓደጋ ጥምየትን ነዚ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝን ብዝምልከት ዘትዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤሪቭን ጆዜ ማሲንጋን መንግስትን ህዝብን ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን እግሪ ንምትካልን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መንግስቶም ኣድላዪ ዘበለ ደገፍ ከምዝገብርን ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓቢሮም ከምዝሰርሑን ኣረጋጎፆም።

ከም መንግስቲ ኣሜሪካ ንትግባረ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ፍሉይ ትኹረት ንገብረሉን ህፁፅን ጉዳይ እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንትግባረ እዚ ዉዕሊ ዘለዎ ፖለቲካዊ ቁርብነት ዝንኣድ ምኻኑ ኣረዲኦም።

እዚ ዉዕሊ ብምትግባር ዘላቒ ሰላም ካብ ምርግጋፅ ካልእ መማረፂ ዘይምህላዉን ኣብ ኢዮጵያ ዝረአዩ ዘለዉ ፀገማት ፀጥታ ንክፍትሑ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትግባረ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ሓደ ኣካል እዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤሪቭን ጆዜ ማሲንጋን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ድጋፍ ከምዝገብር ብምግላፅ ተመዛበልቲ ኣብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዘለዉ ንግንዘብ ኢና ነዚኦም ናብ መረበ መረበቶም ክምለሱ ዝግበር ፃዕሪ እንድግፎ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ብሃይለሚካኤል ገሰሰ