Home ዜና “ግዚያዊ ምምሕዳርና ዘለው ፀገማት ምፍታሕ ጉዳይ ሞትን ሕየትን ዝብል ፅኑዕ እምነት ሒዙ...

“ግዚያዊ ምምሕዳርና ዘለው ፀገማት ምፍታሕ ጉዳይ ሞትን ሕየትን ዝብል ፅኑዕ እምነት ሒዙ እዩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ። “ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ

587

—–

መጀመርያ እቶም ብቀሊል ክንሰርሖም ዝግብኡ ነገራት ክንፈትሖም ኣለና ዝበሉ ኣብ ግዛዊ መንግስቲ ትግራይ ካቢኔ ሰክሪተርያት ትልሚ፣እቶትን ምትሕብባር ሃፍትን ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ በዚ ኣንፃር ቁልፊ መደብ ሕዚ እውን ዓቅሚ ምህናፅ እዩ ብምኻኑ ኩሎም ዓቕምታትና ፀንቂቅና ክንጥቀም ዘኽእለና ኩነታት ኢና ክንፈጥር ዘለና ኢሎም ። ግዚያዊ ምምሕዳር እቶም ወሰንቲ ዝበሃሉ ኣብ ህዝቢ ዘጋጥሙ ዘለው ፀገማት ምፍታሕ ጉዳይ ሞትን ሕየትን እዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ሕዙ ይንቀሳቐስ ምህላውን ከም ኣመራርሓ ኣብቶም ዘሰጋግሩ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብዚ ምልዕዓል ፈጢርና እቶም ዝነበሩ ኣወዳድባታት ተጠቂምና ዝፈረሱ ውዳበታት ተልዮም’ውን ኣጠናኺርና ናብ ልምዓት እነሰጋግረሉ መንገዲ ብምፍጣር ማእቶት ሕርሻ ዝዓብየሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና ዝበሉ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ከም መንግስቲ ከዓ ነዚ ዘድልዩ እታወት ክመፁ ፃዕርታት እናገበርና ኢና ዘለና ኢሎም። ቀንዲ ኣንፈትና ተሳትፎ ሓፋሽ ምርግጋፅ ጉዳይ እዩ ዝበሉ ዶ/ር ሓጎስ ፓርትን መንግስትን ቁመነኦም ሓልዮም ስራሕቶም እናፈፀሙ ኣብ ከይዲ ከዓ እናተደጋገፉ ዝኸድሉ ኩነታት ኣብ ምንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ ? ዝብል ምርኣይ ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ንውድብ ህወሓት ይጠቅም ፣ እምበር ኣይጎድእን ክብሉ ኣረዲኦም።

ኩላህና ጠንካራ ውድብ ክህልወና ፣ ተሳጋራይ ውድበ ብዝሓሸ ደረጃ ህዝቡ ተጠቃማይ እናገበረ ዘኽይድ፣ ልዕልና ኣተሓሳስባ ሃልይዎ ህዝቡ በተሓሳስብኡን ብተግባሩን እናመረፆ ዝኸይድ ውድብ ክኸውን ከመይ ገይርና ኢና ክንኸየድ ዘለና ? ዝብል መሰረት ገይርና ምርኣይ የድሊ ድማ ኢሎም።

ምህዳር ፖለቲካል ክነስፍሕ ኣለና ክንብል ከለና፣ ኣብ ትግራይ ህይወት ዝኸፍል ህዝቢ ፣ኩለንተናዊ መስዋእቲ ዝኸፍል ህዝቢ ፣ኩሉ ነገር ዝገብር ህዝቢ እዩ፣ ንምንታይ ተሸቁሪሩ ይነብር? ንምንታይ ነፃ ኮይኑ ሓሳባቱ ከም ድልየቱ ደስ ዝበሎ ፓለቲካ ውድብ መሪፁ ዘይኸይድ? እዙይኮ ባዕሉ እቲ ውድብ ዝአምነሉ እዩ ዝበሉ ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ስለዚ ውድብን መንግስትን ናይ ምፍልላይ ጉዳይ ብቀፃላይ አብ ምንታይ? ከመይ ገይርና ኢና ንኸይድ ?ዝብል እናተረአየ ዝኸደሉ ኩነታት ክፍጠር እዩ። አብዚ መሰረት ተገይሩ እውን መፅናዕትታት እናተኻየዱ እዮም ዘለው ኢሎም።