Home ዜና ግደ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ምርግጋፅ ዳግመ ሕውየት ትግራይ

ግደ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ምርግጋፅ ዳግመ ሕውየት ትግራይ

511

ረብሓ ማሕበረሰብ ንግዲ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዝብል ርእሲ 22 ትካላት ንግዲ ኢ/ያን ሓለፍቲ ስራሕ ባንክታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ምቅልጣፍ ሙሉእ ሕውየት ትግራይ እጃም ውልቀ ትካላት ንግዲ ታይ ክኸውን ይግባእ ብምባል እናዘተዩ ይርከቡ። ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሃፍትን ህዝብን ትግራይ ትሉም ብዝኾነ ኣገባብ ብፍላይ ብሰራዊት ኤርትራ ከምዘይቀንዕ ተገይሩ ክዓኒ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም። ብምዃኑ እውን ዉልቀ ትካላት ንግዲ ኩሎም መሰረተ ልምዓት ሙሉእ ብሙሉእ ክዓንው ዝተገበሩ ምዃኖም ብምግንዛብ ኣብ ህንፀት እዞም መሰረተ ልምዓት ግደኦም ከበርክቱን ንምርግጋፅ ሙሉእ ሰላም ክሰርሑን ድማ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም።

ፕሬዚዳንት ቻምበር ንግዲ ማሕበራት ትግራይ መምህር ኣሰፋ ብወገኖም ህልው ኩነታት ኢንቨስትመንትን ንግድን ትግራይ ምስ ልቓሕ ተተሓሒዙ ብወገን ባንክታት ዝረኣዩ ዘለው ፀገማትን እቲ ዝድለ ሕውየት ንምምላስ ይትረፍ ናብ ንቡር ምንቅስቃስ ንምምላስ ኣፀጋሚ ገይርዎ ከም ዝርከብ ሓቢሮም። ክሳብ ሐዚ ኣብ ትግራይ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ትካል የለን ዝበሉ መምህር ኣሰፋ ነዚአን ናብ ስራሕ ንምእታው ትካላት ንግዲ ኢ/ያ እቶም ዘለው ፀገማት ብወገን መንግስቲ ፌደራል ንክፍትሑ ክሕግዙ ፀዊዖም። ተወካሊት ኢንሸቲቭ ኣፍሪካ ቢዝነስ ፎር ፌሌውሽፕ ፕሮግራም ወ/ሮ ዳለያ አሸናፊ ብወገነን ቱሪዝም ትግራይ ንምንቕቓሕ፣ ኢኮኖሚ ትግራይ ንምንቕቓሕ ኮንፈረንስ እናተዳለወ ምኻኑ፣ ኢንዱስትሩ ፓርክ መቐለ ናብ ስራሕ ንምምላስን ንግድን ኢንድስትሪን ትግራይ ናብ ንብር ንምምላስ እቲ ትካል እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፀን። በተወሳኺ ድማ ምስ ብሄራዊ ተሃድሶ ኮሚሽን ኣብ ኩናት ተሳተፍቲ ንዝነበሩ ወገናት ንምሕጋዝ ዘኽእል ስራሕ ንምውጋን ብሓበር ብምኻን ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢረን።

#ብሙስጦፋ ጡሃ