Home ዜና ግደ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ሂወት ኣድሕን

ግደ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ሂወት ኣድሕን

504

ትካል ኦክሎክ ጀነራል ሞተርስ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላን ኣብ ወረዳ ኣፅቢን ልዕሊ 2.5 ሚሊዮን ብር ዝዋግኡ 450 ኩንታል ዕፉን ምስ መጥሐንኡ ሓገዝ ገይሩ ፡፡

ትካል ኦክሎክ ጀነራል ሞተርስ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ልዕሊ 1.4 ሚሊዮን ብር ዝዋግኡ 260 ኩንታል ዕፉን ምስ መጥሐንኡ ን1000 መራሕቲ ስድራ ነንሕድሕዶም 25 ኪሎ ዕፉንን 150 ብርን ሓገዝ ገይሩ ፡፡

እቲ ትካል ኣብ ወረዳ ኣፅቢ እውን ብጥሜት ንዝተጠቕዑ ወገናት ልዕሊ 1 ሚሊዮን ብር ዝዋግኡ 190 ኪሎ ዕፉን ሓገዝ ገይሩ ፡፡

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ዝወለዶ ሓደጋ ጥምየት ብኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ንከብድ ጥሜት ተቓሊዑ ይርከብ ፡፡ ነዚ ፀገም ዝተረድአ ግዱስ ትግራዋይ ነበራይ ኣዲስ ኣበባ ወናኒ ትካል ኦክሎክ ጀነራል ሞተርስ ኣይተ ኣሕመዲን መሐመድ ዓብድላ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላን ኣብ ወረዳ ኣፅብን ልዕሊ 2.5 ሚሊዮን ብር ዝዋግኡ 450 ኩንታል ዕፉን ምስ መጥሐንኡ ሓገዝ ገይሩ ፡፡

ወ/ሮ ኣወጡ ነጋሺን ወ/ሮ ኣለምቱ ገ/ስላሴን ነበርቲ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣቢያ ስየ እንትኾና ትካል ኦክሎክ ጀነራል ሞተርስ ህይወት ወገናቱ ንምፍድሓን ዝገበሮ ሓገዝ ብምምስጋን ሐዚ እውን ሰብን እንስሳን ብጥሜት ይመውት ብምህላዉ ድጋፎም ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዐን ፡፡ 

ኣካያዲ ስራሕ ትካል ኦክሎክ ጀነራል ሞተርስ ኣይተ ታመነ ካሳሁን እቲ ትካል  ህይወት ወገናት ንምድሓን ልዕሊ 260 ኩንታል ዕፉን ምስ መጥሐንኡ ን1000 መራሕቲ ስድራ ነንሕድሕዶም 25 ኪሎ ዕፉንን 150 ብርን ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊፆም  ፡፡

ኣተሓባበርቲ እቲ ሓገዝ ዝኾኑ ሓጂ መሓመድ ዓብድላን ኣይተ ኣማን ግርማይን  እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ብውሕዳት ግዱሳት ዝፍታሕ ፀገም ስለዘይኮነ ኣብዛ ፀባብ እዋን ኩሉ ህይወት ወገናት ኣብ ምድሓን ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፡፡

ወ/ሮ ለምለም ገ/እግዝኣብሄር ፣ ኣይተ ኣብርሃ ረዳን ወ/ሮ ብስራት ስዩምን ድማ ነበርቲ ወረዳ ኣፅቢ እዮም ፡፡ እዞም ወገናት ንከብድ ሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ከምዘለዉን ብምግላፅ ብትካል ኦክሎክ ሞተርስ ዝተገበረሎም ሓገዝ ድማ ኣመስግኖም ፡፡

ብተወሳኺ ትካል ኦክሎክ ጀነራል ሞተርስ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ብጥሜት ንዝተጠቕዑ ወገናት ልዕሊ 1 ሚሊዮን ብር ዝዋግኡ 190 ኩንታል ዕፉን ምስ መጥሐንኡ ን760 መራሕቲ ስድራ ነንሕድሕዶም 25 ኪሎ ዕፉንን 150 ብርን ሓገዝ ከምዝገበረ ኣካዳዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ታመነ ካሳሁን ገሊፆም  ፡፡

ኣተሓባበርቲ እቲ ሓገዝ ዝኾኑ ሓጂ መሓመድ ዓብድላን ኣይተ ኣማን ግርማይን  እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ ህይወት ምድሓን ሰብኣዊ ግዴታና ብምዃኑ እዛ ፀባብ እዋን ተሓጋግዝና ክንሰግራ ይግባእ ኢሎም ፡፡

 በላይ ሽፈራው