Home ዜና ግደ ነጋዶን ሰብ ሃፍቲን አብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ

ግደ ነጋዶን ሰብ ሃፍቲን አብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ

463

ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ምስ ኢንሼቲቪ አፍሪካ፣ ነጋዶ፣ ሰብ ሃፍቲን ወነንቲ ትካላትን በምዃን ብሓይልታት ፅንት ኣብ ዝዓነው ፋብሪካ ሌዘር ሼባን ፋብሪካ እምነ በረድ ሰማያታን ዑደት ኣሳሊጦም።


ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳዳዊ ኩናት ስርዓተ ንግዲ ኮነ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ መፍረይቲ ትካላ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለት ከምዝበፀሖም ዝገለፁ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ መምህር ኣሰፋ ገብረስላሰ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምርግጋፅ ግደ ነጋዶን ሰብ ሃፍቲን ዝለዓለ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ወነንቲን ተወከልቲን ትካላትን ሰብ ሃፍቲን ብወገኖሞ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ አብ ዝውገኑ ስራሕቲ ኣደላዪ ሓገዝ ከምዝገብሩ ኣረጋግፆም።


#ብታደለ ዳኘው