Home ዜና ግደ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ተጋሩ አብ ህፁፅ ሓገዝ

ግደ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ተጋሩ አብ ህፁፅ ሓገዝ

279

ተጋሩ ቲክቶኮራት ምስ ግዱሳት ተጋሩ ብምትሕብባር 8 ሚኢቲ ሽሕ ብር ዝግመት እኽሊ ንህዝቢ ወጀራት ሓጊዞም።

ተጋሩ ቲክቶኮራት ምስ ግዱሳት ተጋሩ ብምትሕብባር 8 ሚኢቲ ሽሕ ብር ዝግመት እኽሊ ኣብ ወረዳ 20 ዓዲ ወጀራት ንዝርከቡ ንሓደ ሽሕ ወገናት  ነብሰ ወከፎም 15 ኪሎ እኽሊ ብሓገዝ ኣበርክቶምሎም።

 ሓገዝ ዝተገበረሎም ነበርቲ ዒስራ ዓዲ ወጀራት  ድራር ለይቲ ስኢኖም ተደፊኖም እናሓደሩ ከምዝረከቡ ብምሕባር እቲ ዝረኸብዎ ሓገዝ ንዘለዎም ግዚያዊ ፀገም ከምዘቃልለሎም እዮም ብምምስገን ዝገልፁ።

ነቲ ሓገዝ ካብ ዘረከቡ ቲክቶኮራት ተጋሩ መንእሰይ ዳንኤል ካሕሱን ንእስቲ ሰላም ኣጥናፉን እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ተጋሩ ዝተኣኻኸበ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ሓገዝ ንቁርብ ማዓልቲ ንክዕንገሉ ሓስቦም ዝሰርሕዎ ከምዝኾነን እዚ ሰናይ ተግባሮም ድማ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ እዮም ዘረድኡ።

ኣማሓዳሪ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ኣይተ ተስፉ ሃፍተ ብግዲኦም ሎሚ ዘበን ኣብ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ኣብ ዝኾነ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ በዚ ምኽንያት 89% ህዝቢ ንከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ  ይርከብ ኢሎም ድሕሪ ምግላፅ ኩሉ ተወላድን ፈታውን ህዝቢ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ነዚ ተረድኡ ቅልጡፍ ሓገዝ ክገብር  ፀዊዖም።

ብሂወት ሺበሺ