Home ዜና ጭንቂ ፣ ወለዲ ተምሃሮ ክፍታሕ ዶ ይኸውን ?

ጭንቂ ፣ ወለዲ ተምሃሮ ክፍታሕ ዶ ይኸውን ?

574

/ ትዕዝብቲ – ብመሰረት ታደሰ /

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተምሃሮ ፤ ከይዲ ትምህርቲ ክጅመር እዩ ምስተብሃለ ሓጎሶም ወሰን ኣይነበሮን፡፡ ሓቆም እዮም ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ዓመት ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምምላስ ዘይሐጎሶምኸ ካልእ እንታይ ክሐጉሶም? ግን ነገር ቆልዓ ኩሉ ነገር ከም ቀደም መሲልዎም ኩሉ ዓይነት እታወት ትምህርቲ ክማለኣሎም ዝሓተቱ ብዙሓት ምንባሮም ንዝክር፡፡ ዋጋ ሓደ ደፍተር ክንደይ ምብፅሑኳ ብዕሊ ዘይግንዘቡ ቆልዑ ጠለቦም ሓፍ ኣቢሎም እንትሓቱ ኣብ ጭንቂ ዝኣተወ ወላዲ ገገዝኡ ይቑፀሮ፡፡ ብኡኡ ከይኣክል ቦርሳ ፣ መትሓዚ ማይ፣ መትሓዚ መግቢ፣ ይገዛኣለይ እናበሉ፤ ካበኡ ሕልፍ ኢሎም ነቲ መትሓዚ እውን መልክዑን ደረጅኡን እናማረፁ ክሓቱ ፤ እዚኣ እንተዘይኮይና ኣየደልያናን እናበሉ ሕቶኦም መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ ፀኒሑ ሓሊፉ፡፡

ሽዕኡ ትምህርቲ ምስተጀመረ ሕቶ ደቆም ምምላስ ዘይከኣሉ ወለዲ ጭንቆም ክውስኽ ዘገብር ካልእ ተርእዮ ተፈጢሩ ነይሩ፡፡ እቲ ቀንዲ ናብ ጭንቂ ዘጥሓሎም ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሓተትዎ ክፍሊት እዩ፡፡ ብስም መመዝገቢ፣ ብስም ወርሓዊ ክፍሊት ዋጋ ሰማይ እንትሰቕልዎ ወለዲ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን እንትስእኑ ካብ ምርኣይ ዘሕዝን ነገር የለን፡፡ እቶም ኣብያተ ትምህርቲ ውልቀ “ ወለዲ ከይፈተዩ ክኸፍለዎ እዮም” ብዝመስል ኣገባብ ጭቡጥን እዋናውን ኩነታት ንጎድኒ ብምግዳፍ ካብ ዓቕሚ እቶም ወላዲ ንላዕሊ ዝኾነ ክፍሊት ክሓቱ ተራእዮም፡፡ ኣብተን ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ተምሃሮ ዘለዎ ስድራ ኣብ ከመይ ዝበለ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝኣቲ ሕሰብዎ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ናይቱ ወሉድ መብፅሒን መመልስን መጓዓዝያ ተወሲኽዎ  ሕማም መርዘን ዘምፅእ እዩ፡፡ኣብ ልዕሊኡ ምግቢ ተምሃሮ ካልእ ፆር እዩ፡፡

ካብዚ ብምብጋስ እዚ ሕቶ ተደራራቢ ወፃኢ ስድራ ከም ስደራ ኣብ ቅልውላው ዘእቱ ምኻኑ ከመይ ምግንዛብ ይኣቢ ኢልካ ንምሕታት ዝደፋፍእ እዩ፡፡ ሕብረተሰብና ገና ናብ ንቡር ናብርኡ ንምምላስ ሃርደግ በርደግ ኣብ ዝበለሉ እዋን፣ ኣታዊኡ ገና መሊኡ ኣብዘይፈለጠሉ ግዘ ፣ ከም ኪራይ ገዛ ዝበሉ ኣብ ርእሲ ርእሲ ዝደራረቡ ፆራት ካብ ዝባኑ ኣብ ዘይወረደሉ እዋን፤ ኣብ ልዕሊ ድኽነተን ምራኸን ይሞተን ከምዝበሃል ፀገሙ ከይተፈተሓሉ ካልእ ፀገም ክደራረቦ ዘግበር ክያዶታት ምርኣይ ዘሕምም እዩ፡፡

ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ጫፍ ናሕሲ ኣብዝተነከፍሉ እዋን ፤ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተጀሚሩን ቀፂሉን ኣሎ ኢሉ ተስፋ ንዝገበረ ማሕበረሰብ ከምዚ ዝበለ ዘይስከሞ ክፍሊት ክኽፍል ምግዳድ ናይ ነውሪ ነውሪ እዩ ካብ ምባል ብምንታይ ቃል ክግለፅ፡፡ እቶም ወነንቲ ኣብያተ ትምህርቲ ውልቀ እዚ ነዚ ፀገም ከመይ ምርዳእ ኣብይዎም? ፀገም ሕብረተሰብ ሎሚ ዘይተረድኡ ፤ ተረዲኦም ዘይሓገዙንከ መዓዝ ክሕግዙ?  ዘብል እዩ፡፡

እቲ ተሓጋጊዝና ነዛ ፀባብ ግዘ ንሕለፋ እትብል ዘረባኸ እቶም ወነንቲ ኣብያተ ትምህርቲ ውልቀ ኣይትመልከቶምን ድያ ኮይና?፡፡ ሕዚ ኣረኻኺቦም ናብ ንሕንሕ ብዝመስል መንፈስ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዋጋ እናወስኻ ምኻድኸ እንታይ ዝብልዎ ርድኢት እዩ?፡፡ እንተገደደ ንወለዲ እቶም ተምሃሮ ብምምኻርከ ምፍፃም ኣይግባእን ዶ ነይሩ?፡፡ እዚ ምግባር እንተተረፎም እዚ ሕዚ ዘሎ ፀገም ተኣኪብካ ብምዝርራብ ጥራሕ ዝፍታሕ ዘይኮነስ ኩሉ ዝፈልጦን ብዕሊ ይንብሩሉን ንዘሎ ህይወቱ ኮይኑ ንዘሎ ጉዳይ መን መኻሪ መን ተመካሪ ክኸውን ትፅቢት ዝግበር ዘሎ፡፡ ነቲ ማሕበረሰብን ወላድን ፀዊዕኻ ምርድዳእ ምግባር፣ ፀገሙ ምስማዕ ብሓባር መፍትሒ ምቕማጥ ኣይሓይሽን ዶ?፡፡ ካብዚ ሕልፍ ኢሉ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ብዕሊ ፀዊዕኻ እታወት ኣኪብካ ፤ ነቲ በዓል ሃፍትን ወለዲን ዘማእኽል ኣካል ጌርካ ፤ በቀንዱ መንግስቲ / ቢሮ ትምህርቲ / ተሓዊስዎ ዝሰርሖ ዋኒን እዩ ክኸውን ክግበር ትፅቢት ዝግበር፡፡

ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ  እቶም ወነንቲ ኣብያተ ትምህርቲ ውልቀ ፤ ብወነኖም ዓጋም ጠሓስ እንትኸዱ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲኸ ከመይ ኢሉ ክሳብ ናብ ተግባር ዝኣቱን ወለዲ ተገዲዶም  ክፍሊት ክፍፅሙን ናብ ቅልውላው እንትወድቁን ስቕ ይብል? ጎድና ጎድኒ እዚ ድማ ሸማግለታት ዓዲ ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ እንተጋጥም ስኽ ምባል ምተገበአ ዶ? ዝብል ትዕዝብቲ ኣካፊልና ነይርና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግምቦት፡፡

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት በቢሮ ትምህርቲ ተወሲዱ ዘሎ ጠመተ ነዚ ዘገናዘበ ይመስል፡፡ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ኣግባብነት ዘይብሉ ወሰኽ ክፍሊት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ወለዲ ጥርዓን የቕርቡ ከምዘለዉ መበገሲ ገይሩ መምርሒ ከምዘወፅአ እዩ ኣፍሊጡ ደንጉዩ እውን ከምዚ መምርሒ ክትግበር ምውሳኑ ፅቡቕ ኮይኑ ንቐፃሊ ጥቡቕ ክትትል ዘድልዮ ይመስለና ዋላ ጥርዓን ከይቐረበሉ እውን ክፍፅሞ ዝግባእ ዋኒኑ ምኻኑ ክፍለጥ ነይርዎዋ ዝብል ከምዘለዎ ኮይኑ፡፡

እቲ ቢሮ ዋላ  እምበርማ ወነንቲ ኣብያተ ትምህርቲ ውልቀ ነቲ ዘሎ መምርሒ ኣኽቢሮም ክኸዱ፣ ነቲ ዘሎ ኩነታት ተረደኦም ነቲ ህዝቢ ክድግፉ ፣ ወለዲ ድማ ብመሰረት ኣወሳስና ክፍሊት ትምህርቲ መምርሒ እቲ ቢሮ ተጠቒሞም መሰሎም ከኽበሩ፤ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ትምህርቲ ተግባራውነት እቲ መምርሒ ክከታተል ምፅውዑ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ይመስለና፡፡

ንቐፃሊ ድማ ብመሰረት እቲ መምርሒ እከለን እከለን ኣብያተ ትምህርቲ ውልቀ ነቲ መምርሒ ኣተግቢረን ፣ እኒ እከለ ኣይተግበራን ዝብል ዘረባ ፤ መውፅኢ ኣፍ ቢሮ ትምህርቲ ክኸውን ተስፋ ንገብር፡፡

      19-12- 2015 ዓ.ም