ጀነራል ፃድቃን ነዚ ፃወየዒት ዘቕረቡ ብጥዪትን ጥሜትን ይፀንት ዘሎ ብሄረሰብ ኢሮብ ንምድሓን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ቴለቶን እዩ።
ብጥዪትን ጥሜትን ዝፀንት ዘሎ ብሄረሰብ ኢሮብ ንምድሓን መቐፀልታ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ መድረኽ ቴለቶን ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተኻይዱ ።
60 ሚኢታዊ ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢሳያስ ከምዝርከብ ዝሓበሩ ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካቢኔ ሴክረታርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዲሞክራታዜስን ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ፀገማት ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ምፍታሕ ኩላ ክረባረብ ፀዊዖም።
መሬት ኢሮብ ጐቦታትን ኣፃድፍን ዝበዝሖን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ እተን ዝርካበን ዝራእቲ እውን ሰኣን እታወታት ሕርሻን ሕፅረት ዝናብን ንድርቂ ተቓሊዑ ከምዘሎ ድማ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኢሮብ ኣይተ እያሱ ምስግና ሓቢሮም።
ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ኢሮብ ኣባ ጒዕሽ ኣብርሃ ብወገኖም ፥ ብሰብኣውን ተፈጥራውን ሓደጋታት ንጥሜት ተቓሊዑ ዘሎ ህዝቢ ኢሮብ ንምድሓን ኣብ ዝሳለጡ መተኣኻኸቢ ቴለቶን ማሕበረሰብ ዓለም ንኽድግፍ ተማሕፀኖም።
ህዝቢ ኢሮብ መሕለፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኸልኪሉ ብጥሜት ኣብ ልዕሊ ምስቓዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ስለዘይብሉ ብኽበባን ዕፅዋን ኣብ ዓፀቦ ከምዝርከብን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዛት ክበፅሕዎ ፃውዒት ቀሪቡ።
#ኤፍሬም_ረደሀይ