Home ዜና ”ፀገም ህዝብና ይሰማዕ !”-ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ዘካየደኦ ሰልፊ

”ፀገም ህዝብና ይሰማዕ !”-ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ዘካየደኦ ሰልፊ

555

ብኣተሓባበርነት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮዞባ ደቡብ ምብራቕ ካብ 8 ወረዳታት ዝተውፃእፅኣ ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ደቡብ ምብራቕን ተመዛበልቲ ወገናትን ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይደን።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉኡነት ተግባራውነት ክህልዎ፣ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክጅመር፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ፣ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ ዘለው መጥቃዕቲ ጠጠው ክብልን ኣብቲ ዘካይደኦ ሰላማዊ ሰልፊ ፀዊዐን፡፡

ብስእነት ሰብኣዊ ሓገዝን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉኡነት ዘይምትግባሩን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ጥሜትን ስቓይን ተሳጢሑ ከርፋሕ ናብራ የሕልፍ ከም ዘሎ ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ገሊፀን፡፡

ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝቕፅል ዘሎ ፆታዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል፣ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክጅመርን ጉዳይ ፍትሕን ተሓታትነትን ትኽረት ክወሃቦን ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ስቃይ ከብቅዕን ፀዊዐን፡፡

#ብሃፍታይ_ባህረ