Home ዜና ፀጋታት ቱሪዝም ኣብ ምንቕቓሕ ቁጠባ

ፀጋታት ቱሪዝም ኣብ ምንቕቓሕ ቁጠባ

689

ፀጋታት ቱሪዝም ከባቢታት ዓብይ ዓድን ከባቢኣን ንምንቕቓሕ ይስራሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ልምዓት ቑጠባ  ከተማ ዓብዪ ዓዲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተወለዐ ልፍንታዊ ጆኖሳይደዊ ኹናት ተዘሓሒሉ ዝነበረ ትኪ ኣልቦ ኢንዳስትሪ ዝኾነ ልምዓት ቱሪዝም ሐዚ ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ብምጥቃም ንምንቕቓሕ ይስራሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ልምዓት ቑጠባ ዓብይ ዓዲ ኣፍሊጡ።

ነቲ ዘፈር ንምንቅቓሕ ዝሕግዙ 6 ዝተፈላለዪ ደረጀኦም ዝሓለዉ መእተውን መውፅእን በርታትን ልዕሊ 44 ዝተፈላለዩ ውቕር ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊዳትን ድማ ፅቡቛት ዕድላት ብምዃኖም ነዚ ዘፈር ብምልማዕ መናእሰይን ኻልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ብምውዳብ ተረባሕቲ ንምግባር ዝተዘሓሓለ ቁጠባ እቲ ከባቢ ንምንቕቓሕ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ህንፀቶም ተጀሚሩ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ፅንተት ህንፀቶም ዝተቛረፁ መንገድታትን ሆቴላትን እቲ ዘፈር ቀልጢፉ ንከይዓቢ ዕንቅፋት ይኾኑ ብምህላዎም ነዚኦም ንምምሕያሽን ዝተዘሓሓለ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ንምንቕቓ ቤት ፅሕፈቶም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተቐራሪቡ ይሰርሕ ምህላዉ ተገሊፁ።

ንጉስ ኣማረ