Home ዜና ፃዉዒት ሓገዝ ንምድሓን ሂዎት ተመዛበልቲ

ፃዉዒት ሓገዝ ንምድሓን ሂዎት ተመዛበልቲ

557

ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝርከብ ትካል ምግባረ ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ግርማይ ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ረድኤት ተፈናቐልቲ ናብቲ ትካል በዝሒ ይዉሕዙ ከምዘለዉን እዚ ድማ ካብ ዓቕሚ እቲ ትካል ንላዕሊ ብምኻኑ ተመዛበልቲ ኣብከቢድ ፀገም ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።

ካብ 2013 ክሳብ 2014 ዓ.ም እቲ ትካል ልዕሊ 24 ሽሕ ወገናት ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት የቕርብ ከምዝነበረን ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ 7 ሽሕ ህፃናት ዝርከብዎም 13 ሽሕን 500 ተፈናቕልቲ እናሓገዘ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ ካልኦት ሓደሽቲ ተፈናቐልቲ ምውሓዞም ተወሳኺ ፀገም ምኻኑ ገባሪት ሰናይ እሞሆይ ፀጋ ግርማይ ገሊፀን።ብምኻኑ ድማ ዲያስፖራ ትግራይን ካልኦት ሓገዝትን ክሳብ ሕዚ ዘፅንሕዎ ሂዎት ተመዛባሊ ንምድሓን ሕዚ እዉን ክረባረቡ ይግባእ ኢለን።ተመዛበልቲ ህፃናትን ካልኦት ሓደሽቲ ተመዛበልትን ብወገኖም ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጠፍእ ዘሎ ሂወት ንምትራፍ መንግስትን ካልኦት ሰብኣዉነት ዝስመዖም ትካላትን ክረድኡዎም ፀዊዖም።

#ብገብረመድህን ተወልደመድህን