Home ዜና ፃውዒት ህይወት አድሕን ነበርቲ ጣብያ ወልዋሎ

ፃውዒት ህይወት አድሕን ነበርቲ ጣብያ ወልዋሎ

392

ዛጊድ ብግዘን መጠንን ዝግመት ሰባኣዊ ሓገዝ ብዘይ ምርካቦም 41 ወገናት ጣብያ ወልዋሎ ብሰንኪ ጥምየት ህይወቶም ሲኢኖም።

ሓረስታይ ትግራይ እንትቅድም ንኹለመዳያዊ ስርቅን ግፍዕን ወራሪ ሰራዊት ሻዕብያ ቐፂሉ ድማ እታ ዝርካቡ መሬት ብዘለዎ ዘርእን ዘይእኹል መዳበርያን እንተዘርኣ ነገር ግን ሰኣን ዝናብ ይትረፍ ፍረ ክትህብ ክትቦቅል እውን ብዘይምኽኣላ ህዝቢ ወረዳ ሰውሓ ሳዕሲዕ ብሓለንጊ ጥንየት እናተገረፈ መዓልታዊ ሞት ብምምዝጋብ ፀሓዩ ትዓርቦ ኣላ ክብሉ ግዳያት ጥምየት የዘንትው።

እዚ መቃብር መቃብር ሓደ ሞዴልሓረስታይን ተሓላቃይን ተንከባኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝነበሩ እዪ።ይኹን እምበር ዝሓለፈ ክረምቲ ልክዕ ከም ኩሉ ሓረስታይ በታ ዝርካቦም   ሓሪሶም ብምዝራእ ሓጋይ ኮይኑ ሸዊት ክበልዑን ስድርኦም ዓንጊሎም ካብ ፀገም ክወጹ ብምትስፋው ኩሉ ዝከኣሎም ወላ ተፀዓሩ ከም ዝሓሰብዎ ከይ ኮነ ተሪፉ እታ ዝኣምንዋ ግራት ጠሊማ ገዛ ድርቂ ወቂዕዋ ብሰንኪ ጥምየት ሓረስታይ ሃይለማርያም ክሕሸን ንሞት እንትሳጥሑ ስድርኦም ድማ መዓልታዊ ብሓለንጊ ጥምየት እናተገረፉ ፀሓዬም ትዓርቦም ከም ዘላ ኣባላት እዛ ስድራ የዘንትው።

መሬት ስድራ ኣይተ ሃይለ ማርያም ከምቲ ንቡር ብዝግባእ ተለሳሊሱ ተዘሪኡ ከም ዝነበረ ዘረድኣ በዓልቲ ገዝኦም ወሮ ኣኸዛ ለማ  እንተኾነ ግን እዚ ዝበሃል ፍርያት ክረኽባ ይትረፍ ንእንስሳ ዝኸውን ሓሰር እውን ከቡቅል ብዘይ ምኽኣሉ ጥምየት ነዲሩ በዓል ገዝአን ንሞት ንሰን ድማ ንድኻምን ሕማምን ብምቅላዕ መዓልቲ እናቆፀራ ከም ዝርከባ የረድኣ።

እዚ ጥምየት ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ ህዝቢ ንኣደዳ ሞት ስቃይ ሕማምን ንኣለሻ ምግቢ  እግሩ ናብ ዘምርሖ እንትበታተን ዛጊድ እዚ ዝበሃል ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም ኩነታት እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ከቢድ ገይርዎ ይርከብ ዝበላ በዓልቲ ገዛ ኣይተ ሃይለማርያም መንግስትን ገበርቲ ሰናይን ዝከኣሎም ብምግባር ዝተረፈ ሓረስታይ ከድሕኑ ይፅውዓ።

ኣብ ጣብያ ወልዋሎ ጥራሕ ዛጊድ ብሰንኪ ጥምየት ኣርባዕተ ህፃናት ዝርከብዎም 41 ወገናት ህይወቶም እንትስእኑ ኣሽሓት ድማ ኣብ ኣፍ ሞት ከም ዝርከቡ ብምግላፅ ኩሉ ድምፂ ክኾኖም ዝፀውዑ ድማ ኣመሓዳሪ ጣብያ ወልዋሎ ኣይተ ለገሰ ገብረ ስላሴ እዬም ።

ሙስጦፋ ጡሃ