Home ዜና ፃውዒት ቤተ ጳጳስ ካቶሊካዊ ዓዲግራት ኣብ ምቕፃል ሰብኣዊ ሓገዝ

ፃውዒት ቤተ ጳጳስ ካቶሊካዊ ዓዲግራት ኣብ ምቕፃል ሰብኣዊ ሓገዝ

599

ፃውዒት ቤተ ጳጳስ ካቶሊካዊ ዓዲግራት ኣብ ምቕፃል ሰብኣዊ ሓገዝ

ኣብ ትግራይ ኢሉውን ካልኦት ከባብታት እዛ ሃገር ምኽንያት ሞት ኮይኑ ዘሎ ምቁራፅ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብቅዕ ቤተ ጳጳስ ካቶሊካዊ ዓዲግራት ሓቲታ።እታ ቤተክርስትያን ንዩኤስ ኤይድን ትካል ምግቢ ዓለም(WFP)ን ኣብ ዝፀሓፈቶ ደብዳቤ እዞም ትካላት ቅድሚ ሐዚ ንዘቕርብዎ ዝነበሩ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምምስጋን ኣብ ትግራይ ከባቢኡን ዝተኻየደ ኩናት ንብረት ህዝቢ ምዕናውን ቀለብ ህዝቢ ምዝማቱን ኣዘኻኺራ።

ንብርክት ዝበለ ኣዋርሕ ምግቢ ናብቲ ኣዝዩ ዝተፀገመ ህዝቢ ንከይበፅሕ ተገይሩ ምንባሩን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን እውን እንተኾነ ፀገም ህዝቢ ዘይንታዮም ብዙኾኑ ስሱዓት ተጓሒሉ ኣብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ከይበፅሕ ከምዝተገበረ ብምግላፅ እንተኾነ ሰባት ምግቢ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰሎም ክሕሎ ከምዘለዎ ኣረዲኣ።

ዋላኳ እቲ ንፅጉማት ሓገዝ ተባሂሉ ዝመፀ ምግቢ ምስራቕ ተቀባልነት ዘይብሉን ዘይሰብኣዊን ተግባር እንተኾነ ሓገዝ ውሃብቲ ትካላት ሓገዝ ብምቁራፅ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ኵናት ዝተረፈ ህዝቢ ካልእ ተወሳኺ ሞት ፍርዲ ከይፈርዱን ዳግም ውሳንኦም ሪኦም ዘቋረፅዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከቐፅሉ ቤተ ጳጳስ ካቶሊካዊ ዓድግራት ሓቲታ።