Home ዜና ፅገና ዝዓነው ፕሮጀክትታት መስተ ማይ

ፅገና ዝዓነው ፕሮጀክትታት መስተ ማይ

487

ፕሮጀክትታት መስተ ማይ ከተማታት ሸራሮ፣ዓዲ ነብርኢድን ዓዲ ዳዕሮን ተፀጊኖም ዳግም ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም።ንፅገና እቶም ፕሮጀክትታት ማይ ዓለምለኸ ኮሚቴ መድሕን (IRC) ልዕሊ 8.4 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።ፕሮጀክትታት ፅሩይ መስተ ማይ ከተማታት ሸራሮ፣ዓዲ ነብሪኢድን ዓዲ ዳዕሮን ብዙሕ ሃፍቲ ወፂኡሎም ዝተሃነፁን ንሕብረተሰብ ዝሓሸ ግልጋሎት ዝህቡ ዝነበሩ ትካላት እዮም።

ሓይልታት ፅንተት ብፍላይ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ናውቲ እቶም ፕሮጀክትታት ጉሒሉ ዝተረፉ ድማ ኣዕንዩ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ገይሩዎም እዩ።ኣተሓባባሪ ትካል ዓለምለኸ ኮሚቴ መድሕን ኣይተ ደገፉ ጥላሁን እቲ ትካል ኣብ ፅገና እቶም ፕሮጀክትታት ማይ ዝገበሮ ተሳትፎ መቐፀልታ ናይቲ ኣብ ስራሕቲ ጥዕና፣ትምህርትን ኸለላ ድሕንነት ህፃናትን ክገብሮ ዝፀንሐ ተሳትፎ ምዃኑ ብምሕባር ኣብዞም ዘፈራት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ገሊፆም።ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሃፍቲ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ሞገስ ገ/ሄር ብወገኖም እቲ ትካል ንዝፈፀሞ ሰናይ ተግባር ብምንኣድ እቶም ፕሮጀክትታት ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ይግባእ ኢሎም።

#ብመለስ ኣባዲ