Home ዜና ፅገና ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ

ፅገና ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ

756

ወ/ሮ ሙሉ ተወልደብርሃን ነባሪት ወረዳ እንደርታ ጣብያ ጨለቆት እየን።

ኣብ ዕሸል ከተማ ጨለቆት ቤትብልዒ ከፊተንመነባብሮአን ይመርሓ።ካብ ዕንፀይቲ ዝተዳለወ ፓሎ ዐንፀይቲ ብምውደቁ ኣብታ ጣብያ ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ ብምቁራፁ ኣብ ሰረሐን ዓብይ ፀገም ፈጢሩለን ከምዝነበረ ዝሓበራ ወይዘሮ ሙሉ ሐዚ ግና እቲ ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ኮይኑ ምኽንያት ምቁራፅ ሓይሊ መብራህቲ ዝኾነ ፓሎ ብኮንኩሪት ብምቅያሩ ግልጋሎት መብራህቲ ምርካበን ሕጉስቲ ከም ዝኾና ብምግላፅ ኣብታ ዕሸል ከተማ ተቋሪፆም ዝነበሩ ምስ ሓይሊ ዝተታሓሓዙ ስራሕቲ ክጅምሩ ተስፈአን ምዃኑ ሓቢረን።

ብምኽንያት ብተፈጥሮ ይኹን ሰብ ሰራሕ ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ዝኾኑ ፓሎታት ዕንፀይቲ ብዙሓት ብምዃኖም እቲ ኣብ ጨለቆት ዝነበረ ፀገም ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ከም ዘሎ ዝሓበሩ ማሃንዲስ ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ ትግራይ ኣይተ ኣብራሃም ከበደ ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህቲ ንምቅናስ እቶም ፓሎታት ናብ ኮነክሪት ንምቅያር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ዳሪክተር ርክብ ህዝቢ ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ ትግራይ ኣይተ ግርማይ ግደይ ብወገኖም ንግልጋለት ሓይሊ መብራህቲ ዝህቡ ፓሎታት ሓምሳ ሚኢታዊ ዕንፀቲ ስለ ዝኾነ ጠንቂ ምቁርራፅ መብራህቲ ይኸውን ብምህላው ናብ ኮንኩሪት ንምቅያር ይስራሕ ምህላው ገሊፆም።

ብርሃነ መስፍን