Home ዜና ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ

ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ

1163

 ብወረርቲ ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ውሱን ምትዕርራይ ብምግባር ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሓኒት ምፍራይ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ብከቢድ ዕንወት ንብርክት ዝበለ ግዘ ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ኮይኑ ዝፀንሐ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ድሕሪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ውስን ፅገና ብምክያድ ምፍራይ መድሓኒት ከምዝጀመረ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ዝሓለፈ ሓምለ 2015 ዓ/ም መድሓኒት ከፍርን ከባፅሕን ካብ በዓል መዚ ቁፅፅር መድሓኒት ፌደራል ፍቓድ ካብ ዝረክብ ጀሚሩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 50 ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሓኒት ኣፍርዩ ንሕብረተሰብ የባፅሕ ምህላው ዝገለፁ ኣይተ ሃይለ ኣብዚ ዓመት መወዳእታ መጠን ናብ ሕብረተሰብ ዝቐርብ ዓይነታት መድሓኒት ናብ 80 ክብ ንምባል ይስራሕ ምህላው ተዛሪቦም።

እቲ ፋብሪካ ብወረርቲ ዝበፅሖ ከቢድ ዕንወት ሲዒቡ ካብ ስራሕ ሪሒቆም ዝፀንሑ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብወገኖም ድሕሪ ዝተኻየደ ውሱን ፅገና ናብ ስራሕ ዝተመለሱ ኮይኖም ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ኣብ ፀገም ንዘሎ ሕብረተሰብ መድሓኒት ንኽረክብ ኣብ ምፍራይ መድሓኒት ልዑል ምርብራብ ይገብሩ ምህላዎም ገሊፆም።

ብ1984 ዓ/ም ህንፀቱ ዝተጀመረ ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ድሕሪ ስራሕቲ ህንፀት ሓሙሽተ ዓመት ብ1989 ዓ/ም ዕላዊ ስራሕ ምጅማሩ ይዝከር።

ብክብሮም ተሰፋይ