Home ዜና ፋይናንሳዊ ስምምዕ መትከል ቴክ ምስ ባንክታት

ፋይናንሳዊ ስምምዕ መትከል ቴክ ምስ ባንክታት

595

ማሕበር አክስዮን መትከል ቴክ ውሑስ ንግዳዊ ርክባትን ምዑቡል ፋይናንሳዊ ስርዓትን ንምስላጥ ምስ ዝተፈላለዩ ባንክታት ውዕሊ ስምምዕነት ተፈራሪሙ፡

ዋና አፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉ ኣለም ሃ/ማርያም እቲ ትካል ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ አብ ዝኣትወሉ እዋን ስራሕቱ ብጥንኩር ፋይናንስ ንምስላጥ ምስ ብርክት ዝበሉ ባንኪታት ውዕሊ ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ ገሊፆም ፡፡

አመራርሓ ዝተፈላለዩ ባንኪታት ብወገኖም እቲ ስምምዕነት፤ዓደግቲ አክስዮን እቲ ትካል በተን ባንክታት ኣቢሎም ንክዕድጉ ከምዘኽእል ተዛሪቦም፡፡

ዓማዊልን መወልቲን ሰፊሕ ፈሰስ ካፒታል በተን ትካላት ፋይናንስ አቢሎም ዝፍፀምሉ ብምዃኑ ነተን ባንክታት እውን ተረባሕቲ ዝገብር ኮይኑ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስራሕቲ ብሓባር ንምስራሕ ከምዘኽእል ገሊፆም ፡፡

ማሕበር ኣክስዮን መትከል ቴክ ፤ኣብ ቐፃሊ ዓመት ብ 7ነጥቢ7 ቢልዮን ብር ካፒታል 60 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ከመንጩ ዝኽእል ሓደ ሶላር ፓነል ንምፍራይ አብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር ኮይኑ ትልሙ ንምዕዋት ድማ እቲ ዝተገበረ ስምምዕ ዓብዩ ግድ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ክብል መሳርሕትና በላይ ሽፈራው ፀብፂቡ፡፡