Home ዜና ፋይናንሳዊ ፀገም ትግራይ ንምፍታሕ ንምትእኽኻብ ዉሽጣዊ ሃፍቲ ብትኹረት ክስራሕ እዩ- በዓል መዚ...

ፋይናንሳዊ ፀገም ትግራይ ንምፍታሕ ንምትእኽኻብ ዉሽጣዊ ሃፍቲ ብትኹረት ክስራሕ እዩ- በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ

481

ዉሽጣዊ ሃፍቲ ብምትእኽኻብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፋይናንሳዊ ፀገም ንምፍታሕን ምዑሩይ ስርዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ንምትካልን ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ።

 በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ኣብ ኣፈፃፅማ ክረምታዊ መደባት ዓመተ 2015ን ቀፀልቲ መደባት ዓመተ 2016ን ኣድሂቡ ምስ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን፣ኮሚሽን ትልሚን ኣጀንዳ 2037 ትግራይ ዘትዩ።

ኣብቲ ሓባራዊ መድረኽ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተት ኣብ ምሕደራ ሓይሊ ሰብ፣ ምትእኽኻብን ምሕደራን ሃፍቲ ከቢድ ሃሰያ ከም ዘጋጠመ ብፀብፃብ ዝቐረበ ኮይኑ፤ ከምዙይ ኢሉ እንዳሃለወ ሰራሕተኛታት ኩሉ ፀገማት ተፃዊሮም ብዘለው ፀጋታት ዝሓሸ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ዝነበሮም ተበግሶ ከም ምዕቡል ጎድኒ ዝርአ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ኣይተ ክብሮም ፍስሃየ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣካል እቲ ኣብ ትግራይ ዝበፀሐ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ምዃኑ  ተረዲእና ስርዓት ብምትካል ሃፍቲ ኣብ ምትእኽኻብን ምፍጣርን  ትኹረት ሂብና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ዕደጋን ምምሕዳርን ኣይተ ገብረስላሰ ስዩም ብሰንኪ እቲ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኲናት እተን ኣብያተ ዕዮ ካብ ንዋታዊ ዕንወት ብተወሳኺ መስርሓት እውን ክፈርሱ ስለ ዝተገበረ ኣብ 2016 ዓ.ም ቆጣባይን ውፅኢታውን ስርዓት ፋይናንስ ብምትካል ኩለ መዳያዊ ዓቕምታት ንምጉልባት መደብ ከም ዝተትሓዘ ኣገንዚቦም።

ትግራይ ወርሓዊ መሃያ ንምኽፋል እውን ትፅገም ከም ዘላ ዝሓበራ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ትግራይ  ዶክተር ምሕረት በየነ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሃፍቲ ብዝግባእ ንምትእኽኻብን ንምምሕዳርን ምዑሩይ ስርዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ክንኽተል ግድን እዩ ኢለን።

“ግብሪ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ” ዝብል መሪሕ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ትግራይ ማሕበረሰባዊ ምንቕቓሕን ምልዕዓል ንምፍጣርን ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝምልከቶ ኩሉ ሓጋዚ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

#ሕሉፍ ካሕሳይ