Home ዜና ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር...

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተምሃሮኡ ተቐቢሉ።

679

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኲናትን ለበዳ ሕማም ኮሮናን ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተምሃሮኡ ተቐቢሉ።እቲ ቤት ትምህርቲ ሎሚ 18 ሰነ 2015 ዓ/ም እቶም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተፈልዮም ዝነበሩ ተምሃሮኡ ኣቐባበላ ገይርሎም ኣሎ።

ተወካሊ ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ድሕሪ ከቢድ ዓፀቦን መከራን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ምምላሶም ታሕጓሶም ድሕሪ ምግላፅ “ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ናብ ቤትምህርቲ ቓላሚኖ ኣትዮም ንህንፀት ትግራይ ወሳኒ ዓቕሚ ዝኾኑ ብሉፃት ተምሃሮ ናይ ምፍራይ ተወሳኺ ሓደራ ኣለወን” ኢሎም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተምሃሮ ቓላሚኖ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ካብቶም ክትዕምሞም ዝሓዘቶም ፕሮጀክታት ፍሉይ ቖላሕታ ሂባ ከምትሰርሕ ድሕሪ ምሕባር ወለዲ ድማ ኩነታት ተምሃሮን እቲ ቤት ትምህርትን ክከታተሉ ፀዊዖም።ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ቅድሚ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ 740 ተምሃሮ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝነበሩን ሐዚ ብዝተገበረ ፃውዒት 580 ጥራሕ ንምምሃር ከምዝተመዝገቡ ዝተረፉ ድሃዮም ከምዘይፍለጥ ኣብቲ እዋን ተገሊፁ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቐባበላ ንሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ኣካሎም ዝጎደሉ መምህራን ተምሃሮን ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም እዩ።

#ብተስፋዝጊ ዓስበይ