መስቀል ንምብዓል ትሸባሸብ ዘላ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ፍሰት መጓዓዝያ ፅዑቕ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብዛ ከተማ በዝሒ ባጃጃት ጥራሕ ልዕሊ 2 ሽሕ ከምዝበፅሕን ብርክት ዝበላ ተሸከርከርቲ እውን ካብን ናብን ከምዝንቀሳቐሳን ሓላፊ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት መምህር ወልዳይ ገብረህይወት ይገልጹ።
ካብ መስከረም 14|2016 ዓ|ም ጀሚሩ ድማ ባጃጃት ሓዊሱ ከበድቲ ተሸከርከርቲ ፣ ሞተር ሳይክል ኰነት ጋሪ ብማእኸል ከተማ ክጓዓዛ ከምዘይኽእላ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ፥ ኣብ ክንድኡ ተለዋጢ መንገዲ ተዳሊው ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/09/WhatsApp-Image-2023-09-23-at-3.05.22-PM-1024x576.jpeg)
ናብዛ ከተማ ዝኣቱ ተወላድን በዓል መስቀል ክኽብር ዝውሕዝ በፃሕን በርኪቱ እዩ። በዝሒ ተሽከርከርቲ ምፅዓቕ ጀሚሩ ኣሎ።
ግዝያዊ መተሓባበሪ ትራፊክ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ገብረፃድቃን ገብረመድህን ብወገኖም ፥ ከይዲ ፍሰት መጓዓዝያ ንምቁፅፃር ተወሰኽቲ 26 ትራፊካት ናብ ዓዲግራት ከምዝኣትዉን ብፍላይ ታርጋ ዘይብለን ተሸከርከርቲ ምንቅስቓስ ከምዘዪፍቀድን ኣረዲኦም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/09/WhatsApp-Image-2023-09-23-at-3.05.23-PM-1024x576.jpeg)
ከተማ ዓዲግራት ንእግረኛን ተሽከርከርትን ዝውዕል መንገዲ ምልክት ተቕምጥን ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ከምእትርከብ ጉጅለ ልኡኽ ቴለቭዥን ትግራይ ኣረጋጊፁ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/09/WhatsApp-Image-2023-09-23-at-3.05.24-PM-1024x576.jpeg)
#ኤፍሬም_ረደሀይ