Home ዜና ፍሰት መጓዓዝያ ከተማ ዓዲግራት ንምስላጥ ተወሰኽቲ ትራፊክ ፖሊስ ክዋፈሩ እዮም

ፍሰት መጓዓዝያ ከተማ ዓዲግራት ንምስላጥ ተወሰኽቲ ትራፊክ ፖሊስ ክዋፈሩ እዮም

915

መስቀል ንምብዓል ትሸባሸብ ዘላ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ፍሰት መጓዓዝያ ፅዑቕ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብዛ ከተማ በዝሒ ባጃጃት ጥራሕ ልዕሊ 2 ሽሕ ከምዝበፅሕን ብርክት ዝበላ ተሸከርከርቲ እውን ካብን ናብን ከምዝንቀሳቐሳን ሓላፊ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት መምህር ወልዳይ ገብረህይወት ይገልጹ።

ካብ መስከረም 14|2016 ዓ|ም ጀሚሩ ድማ ባጃጃት ሓዊሱ ከበድቲ ተሸከርከርቲ ፣ ሞተር ሳይክል ኰነት ጋሪ ብማእኸል ከተማ ክጓዓዛ ከምዘይኽእላ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ፥ ኣብ ክንድኡ ተለዋጢ መንገዲ ተዳሊው ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ናብዛ ከተማ ዝኣቱ ተወላድን በዓል መስቀል ክኽብር ዝውሕዝ በፃሕን በርኪቱ እዩ። በዝሒ ተሽከርከርቲ ምፅዓቕ ጀሚሩ ኣሎ።

ግዝያዊ መተሓባበሪ ትራፊክ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ገብረፃድቃን ገብረመድህን ብወገኖም ፥ ከይዲ ፍሰት መጓዓዝያ ንምቁፅፃር ተወሰኽቲ 26 ትራፊካት ናብ ዓዲግራት ከምዝኣትዉን ብፍላይ ታርጋ ዘይብለን ተሸከርከርቲ ምንቅስቓስ ከምዘዪፍቀድን ኣረዲኦም።

ከተማ ዓዲግራት ንእግረኛን ተሽከርከርትን ዝውዕል መንገዲ ምልክት ተቕምጥን ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ከምእትርከብ ጉጅለ ልኡኽ ቴለቭዥን ትግራይ ኣረጋጊፁ።

#ኤፍሬም_ረደሀይ