Home ዜና <> ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ

<< ኣኼባና ብምሕፃር ዕድመ ህዝብና ክነናውሕ ኢና።>> ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ

507

ከተማ ማይጨው ኣብ ዘሰናደኣቶ ፅምብል ብዓለ ጥምቀት ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ፤ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እውን ተረኺቦም እዮም።

ኣብ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዝተመርኰሰ ፖሊስን ስትራተጂን ብምኽታል ፥ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ንምብዳህን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምምላስን ከምዝስራሕ ድማ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

<< ኣኼባና ብምሕፃር ዕድመ ህዝብና ክነናውሕ ኢና።>> ክብሉ እውን ኣይተ ጌታቸው ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጸመ ጄኖሳይድ ሓዊሱ ብድርቅን ጥምየትን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ንምድሓን ብውሽጣዊ ዓቕሚ ሃፍቲ ምፍጣር ዘላቒ መፍትሒ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ እዮም።

ብፍላይ ተፈናቐልቲ ወገናት ሰኣን ምምላሶም ግዳይ ሰላሕታዊ ፅንተት ይኾኑ ከምዘለዉ ዘተሓሳሰቡ ኣይተ ሃፍቱ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብህፁፅ ክትግበር ድማ ፀዊዖም።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ|ር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኖም ፥ <<መሬትና ተቖሪሱ ክተርፍን መናእሰይና ክፈልሱን ክንፈቅድ የብልናን >> ድሕሪ ምባል ሃይማኖታዊ በዓላትና ንሓድነታዊ ምትሕግጋዝ ከንጥቀመሎም ይግባእ ኢሎም።

ብ #ኤፍሬም_ረደሀይ